Friday , May 17 2024
(AP Photo/Darko Vojinovic) XVLM130

ኲናት ዩክሬይን፡ ካብ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ ዝደሓነ ሰብ ብደብዳብ ሩስያ ተቐቲሉ። 

ካብቲ ኣብ መወዳእታ 1930ታትን መጀመርታ 1940ታት ብናዚ ጀርመን እተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድ (Holocaust) ካብ ብሱል ጥረ ዝወጸ ሰብ ኣብ ካሪኪቭ ብ ተኻየደ ደብዳብ ሩስያ ከም እተቐትለ ቢቢሲ ገሊጻ። 

እዚ ቦሪስ ራማሼንኮ እተባህለን 96 ዝዕድሜኡን ዩክሬናዊ ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ሩስያ እዩ ኣብ ቤቱ እናህለወ እዩ ተቐቲሉ ክብሉ ስድራቤቱ ገሊጾም ኣለዉ። 

ካብ ዶብ ሩስያ ኣስታት 50 ኪሎሜትር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ካርቪክ ብ ሓይልታት ሩስያ ብዘይንሕስያ ንሰልስተ ሳምንታት ከም ዝደብደብዋ እዩ ዝገጽ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ በዚ ድብዳብ 500 ሲቪላውያን ከም እተቐትሉ ሰብመዚ ዩክሬይን ገሊጾም ኣለዉ። ብዘይካዚ ሓደ ካብዞም ግዳያት ደብዳብ ሩስያ ወዲ 9 ዓመት ህጻን ምዃኑ ፖሊስ ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ። 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com