Thursday , May 16 2024

ኽፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ወርሒ ነሃሰ ንኣስታት 5500 ሕቶታት ዜግነት መሊሱ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብዛ ዝሓለፍት ወርሒ ነሃሰ ጥራይ ካብ ዝተቐበሎም ኣስታት 6833 ን ዘግነት ዝምልከት ሕቶ ን ኣስታት 5507 ጉዳያት ኣጻርዩ ን ኩሉ ጠላባት ስለዘማልኡ፣ ንሕቶኦም ኣጺድቁዎ። እቶም ዝተርፉ ሕቶታት ግን ነቲ ዘሎ ረቛሒታት ብዘይምምልኦም ጎደሎ ስለዝተረኽቦም ሕቶኦም ተቀባልነት ከይረኸበ ከምዝተረፈ ተገሊጹ።

በዚ መስረት ካብቶም ዘግነት ክወሃቦም ዘመልከቱ ሰባት ኣስታት 88 ሚእታዊ ሕቶም እወታዊ ረኺቡ ኣሎ። እዚ በዓል መዚ ኣስታት 91376 ጉዳያት ዘግነት ዝምልከት መስርሕ ጀሚሩ ኣብ ምጽራያት ከምዝረከብ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣ እዚ ድማ ነዚ ስራሕ ብዕቱብ ክመዝሓዞን ጉዳያት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣጻፊፉ መልሲ ንመሃብ እዚ ክፍሊ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com