Monday , May 20 2024

ወተሃደር ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ

ኣብ ደቡብ ኮርያ ተመዲቡ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ወተሃደር ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ሩስያ ተኣሲሩ ክብል ሰራዊት ኣሜሪካ ሓቢሩ። ስታፍ ሳጅን ጎርደን ብላክ ካብ ሓንቲ ጓል ጓለንስተይቲ ሰሪቑ ተባሂሉ ከምዝተኸሰሰ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ጸብጺቡ። እዚ ወተሃደር ብ 2 ግንቦት ዘይወግዓዊ ጒዕዞ እናገበረ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቭላዲቮስቶክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ እዩ ዝግለጽ። ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነዚ ጉዳይን ካልእ ምስ ሩስያ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን እኹል ግንዛበ ከም ዘለዋ” ገሊጹ። ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ መግለጺ፥ ሚስተር ኪርቢ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይክእል ኣመልኪቱ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com