Thursday , May 16 2024
Russian and American flags displayed at the United States Mission (Denis Balibouse/Pool via AP) DMSC106

ወጥሪ ኣመሪካን ሩስያን መሊሱ ይጋደድ

ሩስያ ንዩክሬይን ከይወረረታ ኣይትተርፍን እያ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፡ ሎሚ ረቡዕ ጸሓፊ ጒዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ዩክሬይን ምእታዉ ተገሊጹ።

ንሱ ምስ መሻርኽቲ ኣውሮጳ ኣብ በርሊን ከምኡውን ምስ መዘናኡ ሩስያዊ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ጀነቫ ቅድሚ ምርኻቡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪዬቭ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ቮሎድሚይር ዘለንስኪ፡ ከም ዝዘተየ ተገሊጹ።

ሩስያ፡ ንዩክሬይን ናይ ምውራር ምንም ውጥን ከም ዘይብላ ክትገልጽ እኳ እንተጸንሐት፡ ላዕለዎት ሰብመዚ ኣመሪካ ግና ሞስኮ ኣብ ዝኾነ እዋን ከተጥቅዕ ከም እትኽእል ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ሚእቲ ሽሕ ዝግመቱ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዶባት ዩክሬይን ተዋፊሮም ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።

ዋና ጸሓፊ ዜናዊ ጒዳያት ዋይት ሃውስ፡ ጀን ሳኪ፡ ትማሊ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እተኸስተ ምዕባለታት ገዚፍ ወጥሪ ንክኽሰት ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ ኢሉ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላን ዝብል ሓዊስካ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እቲ ውድብ ኣብ ከም ፖላንድ ዝበላ ሃገራት ውስን ዝበለ ክኸውን ኣለዎ ክብል፡ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ናብ መንግስታት ምዕራብ ጠለብ ከቕርብ ጸኒሑ’ሎ።

እንተኾነ ግና እዞም ናይ ሞስኮ ጠለባት፡ ብመንግስታት ምዕራብ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸቡ ዘተ ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ደውታ ምብጽሑ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com