Thursday , May 16 2024
United Nations Secretary-General Antonio Guterres speaks during a press conference (AP Photo/Hassan Ammar) HAS110

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኢትዮጵያ ንኢዱ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኲናት ሕድሕድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰላም ዝኸውን ኣንፈታት ይረአ ምህላዉ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ንጻዕርታት ሰላም ኣመልኪቱ ምስ ዋና ልኡኽ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ከም እተዘራረበ ገሊጹ። ሚስተር ኦባሳንጆ፡ ምስ ሰብ መዚ ፈደራልን ህወሓትን ክራኸብ ጸኒሑ’ሎ። በዚ ድማ ዋና ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ እዚ ጒዳይ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ፍታሕ ክረክብ እዩ ዝብል ተስፋታት ምህላዉ ገሊጹ።

ካብ 4 ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2020 ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ሰራዊት ትግራይን ን 14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ይካየድ ምህላዉን፡ በዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ምሟቶም ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com