Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Elaine Thompson)

ዋጋታት ቤት ትምህርቲ፡ 308 ቢልዮን ክሮነር በጺሑ

ወጻኢታት ናይተን ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዋ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ ዓመተ 2020 ጥራይ፡ ክሳብ 308.5 ቢልዮን ክሮነር ከምዝበጽሐን ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ መጠን ገንዘባዊ ክፍሊት፡ 130.8 ቢልዮን ክሮነር፡ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 1.6% ከምዝወሰኸ፡ ኣሃዛዊ ጸብጻብ በዓል መዚ ሃገራዊ ትምህርቲ ሽወደን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

መባእታ ጀረጃ ቤት ትምህርታት ዝለዓለ እጃም ዝሓዛ ኮይነን፡ 130.8 ቢልዮን ክሮነር ወጻኢ  ክገብራ እንከለዋ፡ መዋእለ ህጻናት ድማ 82.1 ቢልዮን ክሮነር ወጻኢ ብምግባር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዐን ይርከባ።

ኣብ መንግስታውያት ቤት ትምህርታት ዝመሃሩ ናይ መዋእለ ህጻናትን ናይ መባእታ ደረጃ ተማሃሮ፡ ካብቶም ኣብ ናይ ግሊ (ውልቂ) ቤት ትምህርታት ዝመሃሩ፡ ዝለዓለ መጠን ወጻኢታት ከምዝግበረሎም፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ንሓደ ኣብ መንግስታዊ መባእታ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝመሃር ተማሃራይ ክሳብ 118,200 ክሮነር ወጻኢ ክግበረሉ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ግን ክሳብ 108,100 ክሮነር ወጻኢ ይግበረሉ። ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ መጠን ወጻኢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ መንግስታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ብ 0.9% ኣብ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ድማ ብ0.4% ከምዝወሰኸ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ንሓደ ኣብ መንግስታዊ መዋእለ ህጻናት ዝመሃር ተማሃራይ ክሳብ 160,100 ክሮነር ወጻኢ ክግበረሉ እንከሎ፡  ኣብ ናይ ውልቂ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ግን ክሳብ  140,600 ክሮነር ወጻኢ ከምዝግበረሉ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com