Thursday , May 16 2024

ዋጋታት ትኬት SL መጛዓዓዝያ ከተማ ስቶኮልም ካብ ወርሒ ጥሪ ከምዝውስኽ ተገሊጹ።

ካብ ዝመጽእ ሓዱሽ ዓመት 2020 ጀሚሩ ብ40 ክሮነር ኣብ ወርሓዊ ካርድ SL ከተማ ስቶኮልም ማለት 930 ክሮነር ን ወርሓዊ ካርድ  ከምዝኸውን መርበብ ሓቤረታ ስቫኒስክ ዳግብላደት ገሊጻ።

እዚ ወስክ ኣብ ሰለስተ ክብረ በብዓመት ዝውስኽ ኮይኑ ስጋብ 2022 ዝቕጽል እዩ። እቲ ቀዳማይ ወስኽ ኣብ ጥሪ 2, 2020 ብ 40 ክሮነር ብምውሳኽ ዋጋ ወርሓዊ ካርድ SL 930 ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ስልሳይ ድማ ኣብ ዓመት 2021, 2022 ኮይኑ ብ 20 ክሮነር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወስኽ ብምግባር ኣብ 2023 ሓደ ሽኽ ክሮነር ን ወርሓዊ ኻርድ SL ክኸውን ከምዝጸደቀ እዛ መርበብ ሓቤረታ ንምንጫታት SL ጠቂሳ ትገልጽ። እዚ ወስኽ ድማ ንኩሉ ናይ ተመሃሮን ጥሮተኛታትን ከምዝምልከት ይሕበር። በዚ መስረት ወርሓዊ ካርድ ተምሃሮ ኣብ 2020 ካብ 590 ናብ 620 ክሮነር ክብ ብምባል ኣብ ዓመት 2021፣ 635 ክሮነር ኣብ ዓመተ 2022 ድማ 650 ክሮነር ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com