Thursday , May 16 2024
AP Photo/Mark Baker) XMB104

ዋጋታት ኤሌክትሪክ፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

ዋላ’ዃ ብቁሩብ እንተቐነሰ፡ ዋጋ ጸዓት ኤሌክትሪክ ኣብ ሽወደን፡ ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፍለጥ ደረጃ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ዝተራእየሉ ኣብ ናይ ኖርድፑል ጽዓት ኤሌትሪክ ናይ ሮቡዕ ዕዳጋ ምቕይያር ኣብ ዝነበረ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሎሚ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ዋጋ ጽዓት ኤሌክትሪክ 4.25 ክሮኖር ንሓደ ኪሎ ዋት ዊዒሉ፡ እዚ ማለት ካብ ናይ ሰኑይ ዋጋ ቁሩብ ብምውሳኩ ከቢሩ ማለት ‘ዩ፡ እቲ ናይ ሰኑይ ዝነበረ ዋጋ ኣብ ግዜኡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኮይኑ ተመዝጊቡ ነይሩ። ጽባሕ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ሽወደን (ዞባ ኤሌክትሪክ 4) ዋጋ ኪሎ ዋት ናብ 3.93 ክቕንስ’ዩ። እዚ ዳርጋ ከም ዞባ 3 ኩቡር ማለት’ዩ።
ኣብ ኖርላንድ፡ ዞባ ኤሌትሪክ 1 ን 2 ን፡ ኣብ ናይ ሮቡዕ ዋጋኡ ንጸዓት ኤሌትሪክ 72.5 ሳንቲም’ዩ፡ ሸሞንተ ሰናቲም ዝያዳ ካብ ናይ ሰሉስ ወሲኩ፡ ከምቲ ልሙድ ግን ካብ ናይ ደቡባዊ ክፋል ኣዝዩ ዝሓሰር ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣዝዩ ውሑድ ንፋስ፡ ቆራሪ ኩነታት ኣየርን ከምኡ ውን ዝከበረ ዋጋ ነዳዲን፡ እዚኣቶም ዋጋታት ጸዓት ኤሌክትሪክ የወስኩ ከም ዘለው ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com