Wednesday , May 15 2024
"Help" is written on a roof in surigao del Norte province in the southern Philippines after typhoon Rai. (AP Photo/Alren Beronio) XAF115

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንፍሊፒን ዝኸውን ሓገዝ የተኣኻኽብ

ኣብ ድሮ ልደት፡ ኣብ ፍሊፒን፡ ራይ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ሓያል ህቦብላ (Typhoon Rai) ንዘጋጠመ ሓደጋ፡  ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 1 ቢሊዮን ዶላር ዝኸውን ህጹጽ ረዲኤት ነቶም ግዳያት ዝበጽሖምን እንተዋሓደ 375 ንዝኾኑ ህይወቶም ንዝሓለፉን ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ኣሳሊጡ።
እቲ ሸቶ ናይዚ ወፍሪ፡ ልዕሊ 970 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት 106.5 ሚልዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ንምእካብ ዝዓለመ እዩ።
እቲ ገንዘብ ኣብቲ ኣዝዩ ዝተሃስየ ከባቢታት ንዝነብሩ ኣስታት 539,000 ንዝኾኑ ህጹጽ ናይ ሕክምና ናውቲ፣ ቀረብ ጹሩይ ማይን መሳለጥያ ሓለዋ ጽሬትን ንዘድልዮም ሰባት ዝውዕል ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
“ንዝተማለአ ሓገዝ ዝውዕል ተበጉሶ ኣሎ። እቲ ሕጂ ዘሎ ብድሆ፡ እቶም ኩሎም ናይ ሓገዝን ኣለናልኩም’ን መግለጺታት ብቕልጡፍ ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ምቕያር እዩ” ክብል ተወካሊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ፍሊፒን ዝኾነ፡ ጉስታቭ ጎንዛሌዝ፡ ገሊጹ።
ህቦብላ ራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ዝተኸሰተሉ ደቡባዊ ማእከላይ ከባቢታት፡ ኣዝዩ ዓቢ ዕንወት ከምዘስዓበ ተፈሊጡ’ሎ። መንበሪ ኣባይቲ፣ ቤት ትምህርትታትን ማእከላት ጥዕናን ዓኒዮም፥ ኣግራብ ካብ ሱሮም ተቦንቊሶም፣ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ናይታ ሃገር’ውን፡ ሓይሊ ጸዓት ከምዝተቛረጸ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com