Thursday , May 16 2024
Lalela Mswane is crowned Miss South Africa (AP Photo) XDF102

ውድድር ቊንጅና . . . ወይዘሪት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ተዓዋቲ ሳልሳይ ደረጃ ኮይና

ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሚስ ዩኒቨርስ፡ ወይዘሪት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ላሌሳ ምስዋነ፡ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዋቲት ኮይና። ኣብዚ ውድድር፡ ህንዳዊት ሃርናዝ ሳንዱ፡ ቀዳመይቲ ፓራጐያዊት ናዲያ ፈሬራ፡ ኸኣ ኻልአይቲ ኮይነን ተዓዊተን ኣለዋ።

ሃገረ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ብሰንኪ እትኽተሎ ኣድልዎ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ንወይዘሪት ምስዋነ ዝገብሮ ሓገዝ ደው ምባሉ ተፈሊጡ። እንተኾነ ግና ኣዳለውቲ እቲ መደብ እዚ ውድድር ብዓይኒ ፖለቲካ ክጥመት ኣይምተገብአን ክብሉ ቅሬታኦም ገሊጾም ኣለዉ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን እተውርዶ ግፍዒ ስኑድን ኲሉ ዝፈልጦን እዩ፥ በዚ ድማ ብሕልና ነዚ ከምዚ ዓይነት ምድላው ኣይንድግፎን ኢና ክብል፡ ሚኒስትሪ ባህልን ስነጥበብን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ገሊጹ። በዚ ድማ ንመርገጺ ሃገራ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትብል፡ ወይዘሪት ምስዋነ፡ ካብቲ ውድድር ክትእለ ይግባኣ ኔሩ ኢሉ።

እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያ ዝኾነ ግፍዒ ኣየውረድኩን ክትብል ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com