Friday , May 17 2024

ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣብ ትካላት ኩባንያ (H&M)

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ፡ ኣብ ትካላት ኩባንያ ኤች ኤም (H&M) ተቖጺሮም ዝሰርሑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዓማዊል ዝቐነዐ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ከምዘርእዩ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣፍቶንብላደት፡ ኣብቲ ፍሉይ መደቡ “ መደብ 200 ሰከንድ” ኣቃሊዑ።

ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት H&M፡ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዓማዊል ዝቐነዐ፡ ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣሎ ኢሉ ድሕሪ  ምዝራቡ፡ ብወገን ኣፍቶንብላደት፡ ምጽራይ ንኸካይድ፡ ንመደብ 200 ሰከንድ (sekunder 200)፡ እቲ ዕማም ከምዝወሃብ ጌሩ።

ኣብ መጀምርያ፡ ሓንቲ ስደተኛ ጓል ኣንስተይቲ፡ ሕቡእ ካሜራ ዓጢቓ ናብ ሓደ ካብ ትካላት ኩባንያ (H&M)  ብምእታው፡ ኣቐዲማ ንዝገዛኣቶ ክዳውንቲ ክትመልሶ ድሌት ከምዘለዋ፡ ይኹን እምበር ቅብሊት ከምዘይብላ ሓቢራ መንበሪ ፍቓድ ከምዘለዋን ቁጽሪ ነባርነታ ክትህቦም ፍቓደኛ ምዃና ሓቢራ። እቶም ስራሕተኛታት ብወገኖም፡ ቅብሊት እንተዘይ ኣቕሪባ፡ እቲ ክዳውንቲ ክምለሰላ ከምዘይክእል ሓቢሮም ዘምጻኣቶ ክዳውንቲ ሒዛ ንኽትምለስ ሓቢሮም ኣፋንዮማ። ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ትካላት ፈቲና፡ እቲ መልሲ ግን ሓደ ነይሩ።

ኣብ ካልኣይ ፈተነ፡ ሓንቲ ሽወደናዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሕቡእ ካሜራ ዓጢቓ፡ ከምታ ቀዳመይቲ ዝነበራ ጸገማት ገሊጻ፡ ክዳውንታ ክምለሰላ ምስ ሓተተት፡ እቶም ሰራሕተኛታት፡ ብቕጽበት ነቲ ክዳውንቲ ተቐቢሎም ገንዘባ መሊሶምላ።

መደብ 200 ካልኢት፡ ኣብ ትካላት (H&M) ዝካየድ ዓሌታዊ ምፍልላይ ንምምርማር ንገለ ስምንታት መጽናዕቲ ክገብር ጽኒሑ። ምስ ናይ ቅድምን ህሉዋት ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ውን ክዘራረብ ጸኒሑ። ሓደ ካብቶም ስራሕተኛታት፡ ንጉዳይ ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ኩባንያ (H&M) እዚ ጉዳይ’ዚ ከም ባህሊ ተወሲዱ ክብል ገሊጽዎ።

ኩባንያ (H&M)፡ ንኣስታት 4 ሳምንታት፡ ነዚ ቪድዮ ንኽርእዮ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ክራኸብ ከምዘይደልን ሓቢሩ። ይኩን እምበር፡ ኩባንያ (H&M)፡ ካብ ዝተፈላላዩ ዓይነት ዓሌታዊ ምፍልላይ ነጻ ምዃኑ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com