Thursday , May 16 2024

ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ንዝመጽእ ምቅይያር ክሊማ ዝኸውን እኹል ምቅርራብ ዘይምግባረን ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ብ ስቨንክት ቫተን ዝተኻየደ ጸብጻብ ሓደ ዕሽሪት ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ንዝመጽእ ምቅይያር ክሊማ፥ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ዝኸውን ዛጊት እኹል ምቅርራብ ኣይገበራን ዘለዋ። ስቫንክት ቫተን ኣብ ጒዳይ ምቕርሐ ማይ ምምሕዳራት ከተማ ዝርኢ ኲባንያ እዩ። ካልኦት ኣርባዕተ ዝኾና ኸኣ ገና ነዚ ውጥን ኣብ ትግባረ ኣየውዓሎኦን ተባሂሉ’ሎ።

60 ሚእታዊት ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ዳህሳስ ዝኸውን ግብረ መልሲ ምሃበን ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ዓብዪ ጒዳይ እዩ ይብል ሓላፊ ስቨንክስት ቫተን ማግኑስ ባክስትሮ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት። ዝናብ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዘብጽሖ ሓደጋ ብምጒዳልን ነቲ ማይ ናብ ለማልም ቦታትት ከም ዝካነል ንምግባርን ክስራሕ እዩ ድማ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com