Thursday , May 16 2024
Uk Transport Minister Grant Shapps says testing vaccinated travellers has played its part. (Tolga Akmen/Pool via AP) LB103

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብ ሃገራ ንምእታው ዝጥለቡ ሕግታት ተፏኽስ

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክትባት ንዝወሰዱ ገያሾ፡ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከለው ከማልእዎም ዝግባኦም ዝነበሩ ሕጊታት ከተፏኽስ ምዃና ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ክታበት ዝወሰዱ ገያሾ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣተውሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ክልተ ማዓልታት ኣንጻር ኮቪድ-19 ቅልጡፍ መርመራ ምግባር ዘድልዮም ኮይኑ፡ ነቶም ዘይተኸተቡ ገያሾ፡ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ብዛዕባ ዝምልከቱ ሕግታት ግና እንዳጠበቑ ከምዝኸዱን መርመራታትን ናይ ውሸባ ረቛሒታት ከምዝጽበዮምን እዩ ዝፍለጥ።

ሕጂ ግና ነቶም ክታበት ንዝወሰዱ ሰባት ዝግበር መርመራ ብዝምልከት ዝነበሩ ረቛሒታት ይለዓሉ ከም ዘለው እዩ ተገሊጹ።

“ኣብ ዶባት ነካይዶ ዝነበርና መርመራታት ክቪድ፡ ተረኦም ብዝግባእ ተጻዊቶም እዮም ክብል ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር፡ ግራንት ሻፕ፡ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሎሚ ንዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ዝነበረ ቀየድቲ መስርሓት ንፈትሓ ኣለና ክብል ቀጺሉ ኣብሪሁ።

እቲ በቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ መጓዓዝያ ኢንዱስትሪ ኣድናቖት ዝተዋህቦ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ወርሒ የካቲት ዕለት 11 ጅሚሩ ተግባራዊ ከም ዝኸውን ተሓቢሩ።

ዛጊት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 154,000 ዝኾኑ ሰባት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት ከም ዝሞቱ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ካብተን በቲ መልከፍቲ ዝተጎድኣ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንሩስያ ተኸቲላ፡ ኣብ ኻልኣይ ደረጃ ከም ትስራዕ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com