Friday , May 17 2024

ዕዳጋታት ስቶክሆልም ብብዝሒ ሰባት ይርኣዮ።

ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ካብቲ ልሙድ ዝጸመወ ኮይኑ ኣሎ፡ ግን ከኣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዕዳጋታትን ኣብ መናፈሻን ብብዝሒ ይረኣዩ፡ ትብል ጋዜጣ ሚት ስቶክሆልም።  

እቲ ጋዜጣ ንኣንበብቱ ቅድምን ድሕርን ፋስጋ ኣበይ ከም ዘሕለፉዎ ብምሕታት “መብዛሕቶም ጽምዋ ምስ ዝስምዖም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ናይ ሃኒንየ ኮሙን ናብ ለና ዝበላ ከባቢ ብምኻድ ናብ ትካላት ባውሃውስ ቢልተማ ክመዚ በጽሑን  እቲ ከባቢ ብብዝሒ ሰብ ከምዝርኣዮን ይገልጹ።

ቀጺሎም ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ቅድሚ ኮሮና ዝነበረ ህዝቢ ንላዕሊ እዩ ብዝሑ ዘሎ ይብል ሓደ ኣንባቢ ኣብ ፈይስቡክ። ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብቲ ናይ ሁዲንገ ኮሙን ኣብ ፓራዲሰት መናፈሻ ኣዚዩ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝነበረን ሰብ ኣጋር ሪጋ ኪገብር ከም እተገደዱን ትገልጽ።

በዚ መሰት ሰባት ግንዛበ ኮረና ቫይረስ እኻ እንተሃለዎም ኣብ ምትግባሩ ግን ሽለልትነት ከምዘርእዩ እዛ ጋዜጣ ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com