Friday , May 17 2024

ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ናብ መሬት ኤውሮፓ ንኸይኣትዉ፡ ዝኽልክል ውሳኔታት ክመሓላለፉ ትጽቢት ይግበር

ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ መሬት ኤውሮፓ ንኸይኣትዉ፡ ምስ ጎረባብቲ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ምትሕግጋዙ ከስፍሕን፡ ሓለዋ ዶባት ኤውሮፓ ከዕዝዝን ወሲኑ ከምዘሎ ሓቢሩ። ንዝርዝር ናይቲ ውሳኔ ኣመልኪታ፡ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሽወደናዊት ኢልቫ ዮሃንሶን፡ ኣብ ዝቕጽል ረቡዕ ክትሕብር ምዃና ኣፍሊጣ።

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ካብ ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ቦታታት (ሃገራት)፡ ናይ ስደተኛታት መዓስከራት ብምቛም ጉዳያቶም ርእዩ መሰል ስደተኛ ንዝግበኦ ድማ ናብ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ባዕሉ ክምድቦም ዝብል ሓሳብ እቲ ውሳኔ ከምዘጠቓልሎ፡ ሬድዮ ኢኮት ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣቃሊሑ።

ብተወሳኺ፡ መስርሕ ሂወት ምድሓን፡ ድማ ብስርዑን ብዝተወደበ ኣገባብ ክካየድ ከም ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንኸም በዓል ቱኒዝያ፡ ኣልጀርያን ሞሮኮን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓኖም ስደተኛታት፡ ኣብ ወደባተን ንኸዕቑቡ፡ ጸቕጢ ክገብረለን ከምዝኽእል ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com