Monday , May 20 2024
(AP Photo/Leo Correa) XLC103

ዜጋታት ኖርወይ ብዘይ ክፍሊት ናብ ዩሬይን ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ክልእኩ እዮም።

ናብ ዩክሬይን ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ክልእኩ ዝደልዩ ዜጋታት ኖርወይ ብሓገዝ ፖስትኖርድ ብዘይ ክፍሊት ክሰድዎ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ። ፖስትኖርድ ትማል ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ብውልቀሰባት ዝለኣኽ ረድኤት ብ ኣገልግሎት ፖስታ ዩክሬይን ኣቢሉ ናብቲ ኣዝዩ ዝድለየሉ ክፋላት ዩክሬይን ከዝርጋሕ እዩ ኢሉ።

“ብዙሓት ኖርዌጃውያን ነቶም ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ዘለዉ ዩክሬናውያን ናይ ምሕጋዝ ድሌት ኣለዎም። ስለዚ ድማ ካብ ሎሚ ጀሚርና ሓገዛት ብቐሊሉን ብዘይ ክፍሊትን ናብ ህዝቢ ዩክሬይን ከም ዝበጽሕ ክንገብር ኢና” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፖስትኖርድ ሮቢን ኦስለን ገሊጹ’ሎ። እቲ ኲባንያ ዕሽጒ ኣቕሑ ብመርከብ ብናጻ ዘበጻጽሓሉ 22 ነቚጣትት ኣለዎ። ብዚ ድማ ሰብ ኖርወይ ሓደ ዝዓይነቱን ክሳብ 20 ኪሎ ዝምዘንን ኣቕሓ ክሰዱ ክኽእሉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣገልግሎት ፖስታ ዩክሬይን ብዘይካ ሙቐት ዝህብ ብታንቲ ካልእ ዓይነት ክዳውንቲ ከም ዘይደልዩ ኣቐዲሞም ሓቢሮም ምጽንሖም ዝገለጸት መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ፡ ሓገዝ ክልእኩ ዝደልዩ ኖርወጃውያን ናብ መርበብ ሓበሬት ፖስትኖርድ ኣትዮም ክምዝገቡ ወሲኽ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com