Thursday , May 16 2024
Daniel Craig poses for photographers upon arrival for the World premiere of the new film from the James Bond franchise 'No Time To Die', (AP Photo/Matt Dunham) LENT158

ዝቕጽል ጀምስ ቦንድ (James Bond) መን እዩ ክኸውን፧

ን 16 ዓመታት ገጸ ባህርይ ጄምስ ቦንድ ተላቢሱ ክዋሳእ ስጸንሐ፡ ዳንኤል ክሬግ፡ ዝሓለፈ ዓመት ስርሑ ድሕሪ ምውዳኡ ቀጻሊ ጄምስ ቦንድ ዝውክል መን ክኸውን እዩ ዝብል ዛዕባ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ።
ዳንኤል ክሬግ፡ ኣዝዩ ንጄምስ ቦንድ ካብቲ ዝነበሮ ዝያዳ ተፈታዊ ክኸውን ኣብ ምግባር ዕዉት ዝኾነ ናይ ምውሳእ ስራሕ ፈጺሙ እዩ፥ እዚ ድማ ነቲ ዝቕጽል ጄምስ ቦንድ ዓብዪ ብድሆ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ዝጸንሐ ናይ ቦክስ ኦፊስ ክብሪ እዚ ፊልም ንምሕላው ጥንቁቕ ኣመራርጻ ተዋሳኣይ ክግበር ከም ዝግባእ እውን ይግለጽ ኣሎ። “እዚ ሓድሽ ቦንድ ተራ ናይ ቀይሕ ምንጻፍ በዓልሞያ ዘይኮነ ንኡድ ናይ ምውሳእ ብቕዓት ዘለዎ፥ ናይ ተኸታታሊ ፊልምን ሲነማን ኣምባሳደር ከምኡውን ወኪል ብሪጣንያዊ ባህሊ ክኸውን ኣለዎ” ዝበለ ጸሓፊ ካቺንግ ቡሌትስ ዝኾነ ማርክ ኦካነር “ኣዝዩ መልክዐኛ፥ ኣብ መላእ ዓለምና ዝልለ ከምኡውን ኣፍቀርቲ ሲነማ ዝስሕብ ስብእና ዘለዎ ክኽውን ክንጽበ ኢና” ክብል ዘርዚሩ’ሎ።
ጄምስ ቦንድ ን ነፍስሄር ሺን ኮንሪ ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ህቡባት ተዋሳእቲ ብበግዜኡ እተላበስዎ ፍቱው ናይ ተኸታታሊ ፊልም ባህሪ እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com