Thursday , May 16 2024

ዝተመሓየሹ ክታበታት ክሳብ ቀውዒ ክጸንሑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ

ኣንጻር እቲ ናይ ኮሮና ቫይረስ ጅር ዝኾነ ኦሚክሮን ቫይረስ፡ ሓደሽቲን ዝተማሓየሹን መድሓኒታትን እንተቐልጠፈ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ክጅምር ከምዝኽእል ኣታሓባባሪ ክታበት ሽወደን ዝኾነ: ሪቻርድ ቤሪስትሮም: ንክፍሊ ራድዮ ሳይንስ ናይ ሽወደን ሓቢሩ።
ኮይኑ ግና፡ ኣብቲ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ’ውን እንተኾነ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅመር ርግጸኛ ምዃን ዘይተኸኣለ ኮይኑ፡ ምናልባት’ውን ንኻሊእ እብረ ክትባት ምጽባይ ዝሐሸ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
“እቲ ምክልኻል ናይቲ መልከፍቲ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብጻሕ እንተደሊና፡ እቲ 3ይ እብረ ክታበት ዝውሰደሉ ግዜ ክነውሕ ብምግባር፡ ድሕሪኡ እቲ 4ይን ዝተማሓየሸን እብረ ክዋሃብ እንተዝግበር ዝብል ሓሳብ ኣሎና። ብተወሳኺ’ውን፡ ክሳብ ግዜ ቀውዒ ንኽድንጉይ ብምግናር፡ እቲ ወቕትታት ቅድሚ ምብጽሑ ክውሰድ እንተተገብረ ዝሐሸ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣሎ” ክብል ቤሪስትሪም ንራድዮ ስቫሪየ ሓቢሩ።
ከም ቤሪስትሮ እንተድኣኾይኑ፡ እቲ ሓድሽ ክታበት ብደቡባዊ ንፍቀ-ክቢ ብዘርከባ ሃገራት ንኽጅምር ቅደም-ሰዓብ እንተዝግበር ይምከር ይብል። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ሓጋይ ወቕቲ ኣብዘን ሃገራት ዝጅምረሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ሰነ ብምዃኑ እዩ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ቅደም-ሰዓብ፡ ውሑድ ዝርጋሐ ናይ ክታበት ንዘለወን ሃገራት ዘካተተ ክኸውን ይምከር።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com