Friday , May 17 2024

ዝተፈላለያ ማሕበራት፡ ናይ 3.5% ወሰኽ ደሞዝ ኣብ ጽላታት ጥዕና፡ ድሕነትን ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርትን ክግበር ጸዊዐን

ማሕበር ኣስራሕቲ ምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማን (Kommunal)፡ ነቶም ኣብ ጽላታት ኣሃዱ ጥዕና፥ ትምህርቲን ክንክን ሽማግለታትን ዝሰርሑ ኣባላት ናይ 3.5% ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም፡ ሰባት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘጥፍእዎ ናይ ትጽቢት ግዜ ንሓዋሩ ንኽውገድን ጻውዒት ኣቕሪቦም ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት እቲ ማሕበር፡ ቶቢያስ ቦደን፡ እዞም ደሞዝ ክውሰኹ ኣለዎም እንብሎም ዘሎና ሰራሕተኛታት ኮሙን፡ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ኣብ ቀዳማይ መስመር ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ  ዜጋታት ብምዃኖም ግቡኦም ክረኽቡ ኣለዎም በሃልቲ ኢና ድማ ኢሉ።

 እዚ ናይ ሕክምና መጸበይ መዓልቲ ዝበሃል ብናይ ሓባር ውሳኔ ክስረዝ ዝኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግና እዚ ንኽግበር እቲ ሕጊ ኣቐዲሙ ክቕየር ክኽእል ኣለዎ።

ነቲ ጉዳይ ምክትታል መታን ክጥዕመና፡ ሕጊ ከም ዝቕየር ክንገብር ኢና ክብል ድማ ቦውደን ኣመልኪቱ። እቲ ማሕበር ኣብዚ ናይ ሓባር ዘተ ሓደስቲ ጠለባት ዘቕረበ ኮይኑ ሓደ ካብዞም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነጥብታት ድማ ድሕሪ 12 ኣዋርሕ ውዕል ቀዋሚ ክኸውን ዝብል ኣጀንዳ እዩ። እዚ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን እውን እቲ ማሕበር ኣመልኪቱ። ኣብ መንጐ ማሕበራት ንግድን ኣስራሕትን ዝህሉ ዘተ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምፍራሱን እንተኾነ፡ መንግስቲ እዚ ዘተ ክቕጽል ጻውዒት ምቕራቡን ድማ ተመልኪቱ።

ኣብ ውዕላትን ደሞዝን ዘሎ ጠለባት፡ ከም ዝቕጽል ከምኡውን ውሑስ ናይ ስራሕ ቦታ ንኽፍጠር፡ ዘድሊ ዘተታት የካይዱ ምህላዎም፡ ቦውደን፡ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብዛዕባ ፍሉጥ ናይ ስራሕ ውዕል ገለ ክንገብር ድሌት ኔሩና፡ ዛጊት ፍታሕ ኣይረኸብናን ኣለና። ስለዚ ድማ ብናይ ሓባር ዘተ ውዕል ክንፈትሖ ተዳሊና ኣሎና ኢሉ።

እዚ ሓድሽ ስምምዕ ደሞዝ፡ ክሳብ እዋን ጽድያ ድሉው ክኸውን ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ምስግጋሩ ተገሊጹ።

ናይ ውዕላት ዘተ፡ ካብ መጋቢት 31 ኣትሒዝና ወንዚፍናዮ ጸኒሕና ኣሎና፡ ስለዚ እቲ ምምሕያሽ ደሞዝ ንድሕሪት ተመሊስካ ክኸውን እዩ ክብል፡ ባውደን፡ ወሲኹ ኣብሪሁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com