Sunday , May 19 2024

ዩሮቪዥን ባንዴራ ፍልስጤም ኣጊዱ፡ ባንዴራ እስራኤል ድማ ምፍቃዱ ዓብዪ ውግዘት ይወርዶ

ኣብ ማልሞ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን፡ ኣዳለውቲ ኣብቲ መደብ ኣብ ልዕሊ ባንዴራታት ፍልስጤምን ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ምልክታትን እገዳ ክግበር ምዃኑ ምግላጾም ብርቱዕ ክትዕ ኣለዓዒሉ። እዚ ብፈነወ ሕብረት ኤውሮጳ (EBU) ንህዝቢ ዝወጸ ውሳነ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ርሱን ነቐፌታ ይዘንቦ’ሎ። ነቲ ውድድር ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ EBU፡ ነቲ ፍጻመ ፖለቲካዊ ድባብ ክህቦ ይኽእል እዩ ብዝብል ስክፍታታት፡ ተሳተፍቲ ዝሕዝዎ ዝኾነ ይኹን ባንዴራ ፍልስጤም ወይ ፖለቲካዊ ምልክታት ንምእላይ ድሌት ከምዘለዎ ምፍላጡ ዝዝከር እዩ። እቲ ሕብረት ነዚ ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሲቪላት ጃምላዊ መቕዘፍሪ ዘስዓበ መጥቃዕቲ ኣብ እተካይደሉ፡ ከምኡ’ውን እዚ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ዝምርመረሉን ዘሎ እዋን ምስ ምዃኑ፥ ኣብ ዙርያ ተሳትፎ እስራኤል ኣብቲ ውድድር ዝለዓለ ወጥሪ ክኽሰት ጌሩ እዩ። እዚ ኣዋጅ ካብ ደገፍቲ ፍልስጤም ዝኾኑ ጉጅለታት ቅጽብታዊ ውግዘት ወሪድዎ እዩ። ምስቲ መደብ ተሰንዩ ተቓውሞታት ክካየድ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወጥሪ ልዑል ብምፍጣሩ፡ ኣብታ ኣአንጋዲት ከተማ ማልሞ ጸጥታዊ ስክፍታታት ኣስዒቡ ኣሎ። እስራኤል ናብቲ ውድድር ክትኣቱ ምግባኡ ድማ፡ ነቲ ወጥሪ ተወሳኺ ነዳዲ ፈጢሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com