Friday , May 17 2024

ዮቶቦሪ፡ ዓርሞሸሻዊ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ።

ትማሊ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ሂሰንገን፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከብ መኻዚኖን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይንን ዓርሞሸሽ ሓዊ ምስ ጽዑቕ ትኪ ከም ዘጋጠመን ክሳብ ሕጂ ዝወረደ ዝኾነ ዓይነት ክሳራታት ከምዘየለ ተሓቢሩ። ኣብቲ ናይ ሓደጋ ከባቢ ፖሊስን ኣሃዱ ህጹጽ ረዲኤትን ከምዝርከቡ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስት ሓቢሩ። እተን ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ጎድኒ እቲ መኻዚኖ ደው ኢለን ከምዝነበራ ኣሃዱ ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ግዜ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ናይ ምፍንጃር ድምጺ ተሰሚዑ። ጠንቁ ድማ ኣብተን ግዳያት ዝኾና መካይን ዝነበረ ናይ ነዳዲ ገንእታት ክኸውን ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ኣብ እዋን ሓደጋ እቲ ናብ ኤክስፖርጋታን ዝወስድ መንገዲ ተዓጽዩ ከምዝነበረ ተፈሊጡ። ኣብ መጀመርያ እቲ ትኪ ሓደገኛ ይመስል ነይሩ ቀጺሉ ግን እናፈኾሰን ናብቲ ህዝቢ ዘይብሉ ሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ከምዝነፈሰ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com