Friday , May 17 2024
Three other men were convicted of crimes in connection with the Black Lives Matter rally in Gothenburg last summer. Foto: Janerik Henriksson / TT kod 10010

ዮቶቦሪ …. ድሕሪ ንዓሌትነት ዝቓዎም ሰልፊ፡ ሰለስተ ተፈሪዶም

ምስ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ “ብላክ ላይቭስ ማተር ” ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ገበን፡ ሰለስተ ተወሰክቲ ሰባት ተፈሪዶም። ሓደ ካብኣቶም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት -ማእሰርቲ ክፍረድ ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ዕዮ ከገልግሉ ከምዝተወሰነሎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ካልኣይ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ኮማዊ ቤት -ፍርዲ ዮቶቦሪ፡ 36 ሰባት ብዝተፈልላለዩ ነገራት ዝተከሰሱሉ ‘ዩ። ኣብ ሞንጎ እቶም ክስታት ድማ ናዕቢ፡ ምኽልካል ወይ ምዕንቓጽ ኣባላት ፖሊስን ምዕናዊ ንብረትን ይርከብዎም።
እዞም ካብ 20 ክሳብ 30 ዕድመ ዝርከቡ ሰለስተ ደቂ -ተባዕትዮ፡ ብስርቂ፣ ምዕናው ንብረት፣ ናዕቢ ከምዝተፈርዱ ተሓቢሩ።
ቅድሚ ሰሙን፡ ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ኣብቲ ናዕቢ ብምስታፎም ፍርዲ ተዋሂብዎም ነይሩ ‘ዩ። ክልተ ካብኣቶም ናይ ማእሰርቲ ብይን ከምዝተውሰነሎም ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com