Friday , May 17 2024

ዮናስ ኾስቲድ፡ መንግስትነት ንምብታን ዘሎ ሓሳብ ኣይተቐየረን ይብል

መንግስቲ፡ ሕጊ ዕዮ፡ ብመሰረት እማመ ፈደሬሽን ኩባንያታት ሽወደንን PTK ንኽቕየር ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሓላፊ ጸጋማይ ሰልፊ፡ ጆናስ ኾስተድ፡ መንግስትነት ናይ ምብታን መደቡ ከምዘየቛረጾ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣፍሊጡ። ንሱ ነዚ እማመ፡ ፍርቂ ዓወት፡ እዩ ኢሉ ምግላጹ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዘጽሓፈቶ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ንሱ እዚ ውሳነ ተሳታፍነት ማሕበራት ንግድ ዘጠቓልል ክኸውን ኔርዎ ድሕሪ ምባል ሓድሽ ዘተ ንምክያድ ገና ዕድል ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ስምምዕ፡ ንኣብ ዕዳጋታት ሽቕለት ዘሎ ጸገማት ዝፈትሕ ኣይኮነን፡ ዕግበት ማሕበር ሰራሕተኛታት እንተ ዘይተማሊኡ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓድሽ ጸገማት ከጓንፎ ምዃኑ ኾስቴድ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com