Wednesday , May 15 2024
A man with a laptop works from home. Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ደለይቲ ስራሕ፡ ብናይ ርሕቀት ስራሕ ይማረኹ

ብርክት ዝበሉ ወሃብቲ ስራሕ፡ ንደለይቲ ስራሕ፡ ናይ ርሕቀት ስራሕ ዝሰርሑሉ ዕድላት እንዳ ፈጠሩ ከም ዝመጹ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን 6.2% ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድላት ናይ ርሕቀት ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ብዓለም ደረጃ ተፈጢሩ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ካብ ዝነበረ መጠን፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ሓደ ኢንዲድ (Indeed) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ ስራሓት ዘጽንዕ መርበብ፡ ኣብ ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን እዚ ቑጽሪ ናብ 10% ክብ ዝበለ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ምስ OECD ብምዃን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሚእታዊ መጠን ኣፋላላይ ክመጽእ ዝኸኣለ፡ በተን ሃገራት ኣብ ግዜ እዚ ለበዳ ዝነበረን ናይ ዕጽዋ ኩነታት ዝተታሓሓዘ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
“ዕድል ናይ ርሕቀት ስራሓት ክህልዎም ኣብ ዝኽእል ከም ናይ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝዓይነቶም ንጥፈታት ዝውንኑ ኣስረሕቲ፡ ብርሕቀት ክሰርሑ ዝደልዩ ዝተፋላለየ ሞያን ዓቕሚን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ንኽስሕቡን ብምውጣን እዚ ዕድል ናይ ርሕቀት ስራሕ ምቕራብ ይቕጽሉ ኣለው” ክብል ፓወል ኣድሪያን ኣብ ኢንዲድ (Indeed) ዝሰርሕ ሓላፊ ምርምር ን SVT ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብቲ ዝወጽእ ናይ ስራሕ ምውዕዋዕ፡ እቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ከምዝግለጽ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት ድማ፡ ዋላ እቲ ስራሕ ብርሕቀት ዝስራሕ ይኹን እምበር፡ እቶም ደለይቲ ስራሕ ኣብቲ ከባቢ ናይ ስራሕ ቦታ ነበርቲ ክኾኑ ትጽቢት ከምዘሎ ንምግላጽ ከምዝኾነ ስለዝተደልየ እዩ ክብል ፓወል ኣድርያን ወሲኹ ገሊጹ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com