Thursday , May 16 2024

ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ሰላማዊ ስልፊ ይገብራ

ደቀንስትዮ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ባይቶ ኣውስትራልያ፡ ዝተራእየ ጾታዊ ዓመጽ ምኽንያት ብምግባር ናይ ተቛውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዳ ዝሓበረ ቢቢሲ ኣብ ዓቃባዊ መንግስቲ እታ ሃገር ተወሳኺ መርመራ ክግበር ደሪኹ ኣሎ ኢላ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ዓቃቢ ሕጊ፡ ክርስትያን ፖርተር፡ ኣብ 1988 ብጾታዊ ምድፋር ተኸሲሱ ምንባሩ ግና ነቲ ክሲ ከም ዝነጽጎ ድሕሪ ምግላጹ እዩ እዚ ሰልፊ ክዳሎ ጀሚሩ።

ብኻልእ ኣጋጣሚ፡ ብሪታኒ ሂጊንስ ዝተባህለት ኣማኻሪት ፖለቲካ ኣብ 2019 ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓደ ፖለቲከኛ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝበጽሓ ምግላጻ ህዝባዊ ቊጥዐ ቀስቂሱ ኣሎ። ሂጊንስ፡ ብሰኑይ ኣብ ቅድሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ፊት ህንጻ ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ምስክርነት፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ጾታዊ ዓመጽ፡ ከም ዋዛ ሸለል ይበሃልን ከም ንቡር ይውሰድን ኣሎ። ዛንታይ ኣብ ቅድሚት ገጽ ዝወጻሉ ምኽንያት ድማ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ ባይቶ ሃገርና ከይተረፈ ይዝውተር እንተሎ፡ ኣብ ካልእ ቦታ’ውን ብብዝሒ ከጋጥም ከም ዝኽእል ንምሕባር እዩ ኔሩ ኢላ።

እዞም ሰልፈኛታት፡ ካብ 40 ከተማታት ኣውስትራልያ እንተላይ ርእሰ ከተማታት ካንቤራ ሲድኒን ሜልበርን ካላኦትን ዝተዋጽአ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ኣወሃሃድቲ ሰልፊ፡ እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብደቂ ኣንስትዮ እተኻየደ ዝዓበየ ሰልፊ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ተቐቲለን ናይ ዝተባህላ ደቂ ኣንስትዮ ኣስማት ዘለዎም ካርዲታት ብምሓዝን ገሊኣተን ድማ ጸሊም ክዳን ወድየን ከምዝወጻ እውን ተገሊጹ። ኣካየድቲ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መንግስቲ፡ ንጾታዊ ዓመጽ ዝህቦ ዘሎ ግብረ መልሲ እዂል ኣይኮነን በሃልቲ እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com