Wednesday , May 15 2024
Flowers are placed alongside a photo of Anglican Archbishop Desmond Tutu at the St. George's Cathedral in Cape Town, South Africa, Sunday, Dec. 26, 2021. South Africa's president says Tutu, South Africa's Nobel Peace Prize-winning activist for racial justice and LGBT rights and the retired Anglican Archbishop of Cape Town, has died at the age of 90. (AP Photo) XDF113

ደቡብ ኣፍሪቃውያን: ብሞት ደዝመንድ ቱቱ: ሓዘኖም ይገልጹ

ብምኽንያት እቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ዓለም ብሞት እተፈልየ መራሒ ቃልሲ ጸረ ኣፓርታይድ: ሊቀጳጳስ ደዝመንድ ቱቱ: ደቡብ ኣፍሪቃውያን ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ሓዘን ፕሮግራም ምድላዎም ተገሊጹ።

ባሕቲ ጥሪ ኣብ ከተማ ኬፕታውን ግብኣተ መሬቱ ክፍጸም ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ፕሮግራም: ሬሳ ቱቱ ንኽልተ መዓልታት ናይ ክብሪ ምብጻሕ ክፍጸመሉ ምዃኑ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ን ጳጳስ ፍራንሲስ፥ ጆ ባይደንን ንግስቲ ኤልሳቤጥን ሓዊስካ: ካብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት እዛ ዓለም መራሕቲ ሃገራት ን ቱቱ ዘለዎም ክብሪ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ ኣለዉ።

ቱቱ: ደቡብ ኣፍሪቃ ናጻ ሃገር ክትከውን: ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ሰብ እዩ ኔሩ ክብል ፕረሲደንት እታ ሃገር: ሲሪል ራማፎሳ: ገሊጹ’ሎ።

ቱቱ: ኣብ ቃልሲ ኣፓርታይድ ብዝነበሮ ተራ: ኣብ 1984 ተሸላሚ ኖቤል ኮይኑ እዩ።

ሰሙን ይገብር ኣብ ዘመነ ኣፓርታይድ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ዝነበረ: ደ ክለርክ: ምሟቱ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com