Thursday , May 16 2024

ደንማርክን ኖርወይን ንሽወደን ብምፍላይ ዶባተን ይኸፍታ።

ደንማርክን ኖርወይን ካብ ዕለት 15/06/2020 ጀሚረን ካብን ናብን ሃገራተን ናይ መገሻ መስመራተን ክኸፍታ ተሰማሚዐን። ሽወደን ግን ኣብዚ ስምምዕ እትውቲ ከምዘይኮነት TT ሓቢሩ።  

ሽወደን ኣብዚ ስምምዕ እትውቲ ዘይምዃና ብሰንኪ ኣብዘን ሃገራት ዝተራእየ ፍልልይ ናይ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምዃኑ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደኒማርክ፡ ሚት ፍረድሪክሰን፡ ሓቢራ። ምስ ጎረቤትና ዝኾነት ሽወደን፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት መፍትሒ ንምርካብ ቀጻሊ ዝኾነ ርክባት ንገብር ኣለና ክትብል ፍረድሪክሰን ወሲኻ ገሊጻ።

ደኒማርክ ምስ ኣይስላንድን ጀርመንን ውን ካብ 15/06/2020 በጻሕተን ናብ ሃገራተን ንኽኣትዉ ከምዘፍቀዳ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኖርወይ ምስ ፊንላንድ፡ ሽወደንን ኣይስላንድን ትዛራረብ ምህላዋን ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሐ መደምደምታ ከምዘየለን እዘን ሃገራት ኣንጻር ለበዳ ኮሮና ናይ ምክልኻል መስርሕ ክሰማማዓሉ ከምዝግባእ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኢርና ሶልቤሪ፡ ገሊጻ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ተዘራሪብና ኣለና፡ ብወገኑ ድማ ክልተኣዊ ርድኢት ክህሉ ከምዝግባእ ተሰማሚዕሉ ኣሎ ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ኖርወይ ምስ ደኒማርክ ኣብ ዝገበረቶ ዶብ ናይ ምኽፋት ስምምዕ፡ ደኒማርካውያን ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ቀይዲ ናብ ኖርወይ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን እቶም ኖርወጃውያን ግን ናብ ኮፐንሃገን ንኸይኣትዉ ደኒማርክ ቀይዲ ገይራ ከምዘላ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com