Thursday , May 16 2024
Foto: Pontus Lundahl / TT kod 10050

ደገፍ ሰልፊ ስቨርያ ደሞክራትና ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ቁጽሪ ደገፍቲ ሰልፊ ስቨሪያ ዲሞክራትና ዝኾኑ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ብቐጻሊ ኣብ ምውሳኽ ከምዘሎን ብተመሳሳሊ፡ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራተና ዝረኽቦ ዘሎ ደገፍ ውን ካብ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብዝበለጸ እና ወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሽወደን ዝተገብረ ሰፊሕ ናይ ዓበይቲ ሰልፍታት ናይ ምርጫ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 38.8% ናይ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ንሰልፊ ሶሽያል ደሞክራተና ከም ዝድግፉ የመልክት፡፡ እዚ ከኣ ካብቲ ናይ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ብ3.7% ወሲኹ ከምዘሎ`ዩ ዘረድእ፡፡

ሰልፊ ስቨርያ ደሞክራተርና፡ ዝረኸቦ ነጥቢ ብኣሃዝ 27.1% ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ካብቲ ናይ ወርሒ ግንቦት ዝነበረ 28.8% ኣዚዩ ክብ ዝበለ ምዃኑ `ዩ ዘረድእ፡፡

ይኹን እምበር፡ ስቨርያ ደሞክራትና ካብ ካልኦት ናይ ንግዲ ማሕበራት ዝረኽቦ ደገፍ ውሑድ `ዩ ተባሂሉ፡ ንኣብነት፥ ካብ ኣባላት ቲ.ሲ.ኮ. እቶም 4.3% ጥራይ እዮም ምስ ስቨርያ ደሞክራተና ከም ዝደናገጹ ገሊጾም፡፡ እዚ ድማ ምስ`ቲ ኣብ ግንቦት ዝተገብረ መጽናዕቲ ክነጻጸር እንከሎ ብ2% ከም ዝቐነሰዩ ዘመልክት፡፡

ኣብ ሶሽያል ደሞክራተና ግን እቲ ኣሃዝ 28.3% ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ብ 1.5% ነጥቢ ከምዝወሰኸ `ዩ ዝሕብር፡፡

ተኸቲሉ ዝመጸ ሰልፊ ሞደራተርና ክኸውን እንከሎ ዝረኸቦ ነጥቢ ድማ 25.2% እዩ፡ እዚ ምስቲ ናይ ግንቦት ክነጻጸር እንከሎ ብ3.4% ከም ዝቐነሰ ዩ ዘመልክት፡፡

ኣብተን ኣብ ሳኮ ዝተጠርነፋ ትካላት ውን እንተኾነ ንስቨርያ ደሞክራተና ዝህቦኦ ደገፍ፡ 4.9% ጥራይ `ዩ፡፡ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ወርሒ ግንበት ዝነበረ 5.5% ይውሕድ ማለት `ዩ፡፡ ስለ`ዚ በጠቓላሊ ክረአ `ንከሎ ንስቨርያ ደሞክራተና ዝህቦኦ ደገፍ ካብቲ ኣብ ወርሒ ግንበት ዝነበረ ናይ 29.7% ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ 26% ከም ዝነከየ `ዩ ዘነጽር፡፡

ዋላ`ኳ ሰልፊ ሶሻል ደሞክራተርና ገና ሕጂ ውን እቲ ዛዓበየ ሰልፊ ኣብ ሽወደን እንተኾነ፡ ምስ`ቲ ሰልፊ ሞደራተርና ረኺብዎ ዘሎ 26.8% ናይ ደገፍ ነጥቢ ዘለዎ ፍልልይ ግን ጸቢብ ከምዝኮነ`ዩ ዝፍለጥ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com