Thursday , May 16 2024

ዴንማርክ ኣብ ዶባት ሽወደን ዘሎ ጸጥታዊ ኲነታት ንከተሕይሎ ፍተሻ ከተካይድ ሙዃና ገሊጻ።

መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ሃገሩ ዘሎ መጠን ገበን ከጒድል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ገበን ንምዕጋት ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምድላው ምውሳኖም ከኣ ይንገር ኣሎ። ሓደ ካብዞም ሕጊታት ንሽወደን ዝምልከት እዩ። ካብ ሕዳር 12 ጀሚሩ ፖሊስ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ንዝንቀሳቐሱ ሰባት ፍተሻ ከካይዱ ምዃኖም ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ ፍተሻ ዝኣቱ ኩሉ ሰብ ዘይኮነ ኣብ ገበን ዝተዋፈሩ ሰባት ብፍላይ ምዃኖም ከኣ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። ዴንማርክ ኣዝዩ ጽንኲር ናይ ገበን ኲነታት ንምቊጽጻር ምስ ፖሊስ ሽወደን ብምትሕብባር ክትሰርሕ እያ ክብል ዴንማርካዊ ሚኒስተር ኒክ ሄክራፕ ምግላጹ ኸኣ ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com