Friday , May 17 2024
Foto: Björn Larsson Rosvall/TT kod 9200

ድሕሪ መቕተልቲ ኣባል ፖሊስ፡ ኣገዳስነት ኣንጸባራቒ ክዳን፡ እናለዓለ መጺኡ

ዳጌንስ ኒሄተር ከምዝጸብጸቦ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ብሞፔድ ዝንቃሳቐሱ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ዩኒፎርም ዝተኸድኑ ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብ ኩሉ እዋን፡ ዘንጸባርቕ ክዳን ክኽደኑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። እዚ ጠለብ ዝተኣታተወ፡ ድሕሪ መቕተልቲ፡ ኣንድርያስ ዳንማን፡ ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ እዩ። እዚ ኣባል ፖሊስ፡ ብ 30 ሰነ እዩ ኣብ ዮቶቦሪ፡ ቢሾፕስጎርደን፡ ኣብ ዝባሃል ቦታ ብጥይት ዝተቐትለ።

ድሕሪ እዚ ቕትለት፡ ጉዳይ ኣገዳስነት ኣንጸባራቒ ክዳን ዕዙዝ ተራ ይጻወት ኣሎ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መጋባእያ፡ ነቲ ነዚ ወንጀል ዝፈጸመ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ 8 ዓመታት ክእሰር ክውስን እንከሎ፡ ንቕትለት ኣባላት ፖሊስ ብዝምልከት ግና እዚ ክብሎ ዝኽእል መበገሲ ምኽንያት ክረክብ ኣይከኣለን።
እዚ ድማ ንሓላፊ ክፍሊ ድሕነት ፖሊስ ዞባ ምዕራብ፡ ብዮርን ዮህንሶን፡ ብሞፔድ ንዝንቀሳቐሱ ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ኣባላት ፖሊስ፡ ብጌጋ ተቶኲሱሎም ክቕተሉ ዝኽእሉሉ ሓደጋ ንኸይህሉ፡  ደው በል ዝብል ናይ ድሕነት ምልክት ንኸተኣታቱ መበገሲ ኮይኑዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግና፡ ብዮርን ዮህንሶን፣ ሓላፊ ሃገራዊ ተወካሊ ፖሊስ ዞባ ምዕራብን፣ ክፍሊ ዓቕሚ ሰብን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ሓፈሻዊ ዘንጸባርቕ ክዳን ምግባር ከም ሮቓሒ ንኹሎም ዩኒፎርም ዝገብሩ ኣባላት ፖሊስ ንኽተኣታቶ ኣብ ውሳኔ ተበጺሑ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com