Sunday , May 19 2024
Credit:Pixabay

ጀርመናዊ በዓል ስልጣን ንሩስያ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ተኸሲሱ።

ካብ ጀርመን ናብ ሩስያ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ዝተኸሰሰ በዓል ስልጣን መንግስቲ፥ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። እቲ ሰብኣይ፥
ሕጊ “ዕቃበ ብሕታዊነት” ጀርመን ንዘይምጥሓስ፥ ንግዜኡ “ቶማስ ኤች” ተባሂሉ ተሰይሙ’ሎ። ተኸሳሲ፥ ወተሃደራዊ
መሳርሕታትን ቴክኖሎጂ-ሓበሬታን ኣብ ዝምልከቱ ጒዳያት ኣብ ዝነጥፍ ቤት ጽሕፈት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ
ናብቲ ኣብ በርሊን ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ከተማ ቦን ናብ ዝርከብ ቆንስልን ብምኻድ፥ ስለያዊ ሓበሬታ ከም
ዘቕረበ ድማ ይግለጽ። ተኸሳሲ፥ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ድሕሪ ምቕርብ፡ ፍርዲ ክሳብ ዝወሃቦ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ
ተጌሩ’ሎ።
"ኣኽባር ሕጊ ፌደራል፥ ንሓደ ጀርመናዊ መኮነን ኣብ ናይ ወጻኢ ሚስጢራዊ ኣገልግሎት ይሰርሕ ኣሎ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ቀይዲ
ኣእትዩዎ'ሎ። ኣዚና ክንጥንቀቐሉ ኣብ ዝግባኣና እዋን ኢና ዘሎና" ክብል ሚኒስተር ፍትሒ ማርኮ ቡሽማን፥ ናብ ማሕበራዊ
መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ሰብኣይ ናብ ኣገልግሎት ስለያ ሩስያ ሚጥራዊ ሓበሬታ ጀርመን እናሕለፈ፥ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ኮብለንዝ ኣብ
ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ፥ ገዝኡን ስርሑን ከኣ ከም እተፈተሸ ኣኽባር ሕጊ ፌደራል ኣመልኪቱ። ትካል ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ጀርመን
(BfV) ፡ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምሉእ ወራር ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ሓደጋ “ስርሒት ስለያ ሩስያ"
ከጋጥም ከም ዝኽእል፡ ኣጠንቂቑ ኔሩ እዩ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፥ ከምዚ ዝበለ ስለያዊ ገበን ክፍጸም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ሓደ
ጀርመናዊ ዜጋ፡ ስለያዊ ሓበሬታ ናብ ሩስያ ንምትሕልላፍ ኣብ ዝተገብረ ውዲት ተሳቲፉ ብዝብል ጥርጣረ ተኣሲሩ ምንባሩ ጸብጻባት
የመልክቱ።

 

Credit:Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com