Friday , May 17 2024

ጀርመን፡ ንመምርሒታት ኮሮና ኣብ ምትግባር ብምድንጓያ . . . . . መርከል ቁጠዐኣ ትገልጽ

መራሕቲ ምምሕዳራት መንግስታት ጀርመን፡ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ዘድልዩ ተወሰኽቲ መምርሒታት ክሳብ ሕዳር 25 ክትግበሩ ዘይምዃኖም ብምሕባር፡ ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፡ ነቲ ውሳኔ ብትሪ ከምትቃወሞ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።

ነዚ ቫይረስ፡ መዓልታዊ፡ ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ክትብል፡ መርከል፡  ኣገልግሎት ዜና ሮይቴርስ ሓቢራ።

ብፍላይ ኣብ ከም በርሊን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት፡ እቲ ለበዳ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ ክትብል ብምውሳኽ ገሊጻ።

ለበዳ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት፡ ጀርመናውያን፡ ነዞም መምርሒታት ኣብ ምትግባር ክተግሁ ድሕሪ ምትሕስሳብ ንክቱር ናህሪ ለበዳ ኣብ ምዕጋት ተዓዊትና እኳ እንተሃለና ገና ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝጽበየና ዘሎ ክትብል፡ መርከል፡ ምስ መራሕቲ ምምሕዳራት ጀርመን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com