Friday , May 17 2024

ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ የተኣታትዋ

ብተዛማዲ ዘይተለምደ ኣገባብ እኳ እንተኾነ ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ ምትእትታወን ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ ኣብ ናይ ግዜ ወረቐት ንዝፍጠር ጌጋታት ንምንካይ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እዩ። ብምኽንያት ግጒይ ናይ ግዜ ወረቐት፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ መድሕን ነቲ ብጌጋ ናብ ኲባንያታት ኣባይቲ ክንክን ብሕቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ንኽምለስ ዝገብሮ ልሙድ ምኽንያት እዩ። ብሕማም ሴረብራል ለምሲ ዝሳቐ ወዲ 24 ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ቤቱ ክንክን ዝረክብ ውላድ ዘለዎ ቱቱ ብዛዕባ እዚ ኣገባ ተሓቲቱ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፥ እዚ ነገር ጽቡቕ እዩ ኢሉ ከም ዝሓስብ ድሕሪ ምሕባር “ከም ወላዲ ንዓይ ውሕስነት ዝህበኒ እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com