Friday , May 17 2024
Foto: Javad Parsa / NTB

ገበነኛታት ንስደተኛታት ዩክሬይን ከይምዝምዙ ሓይሊ ፖሊስ ሽወደን ነቒሑ ይሕሉ። 

ኣብ ዘሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ውድባት ገበን ን ዩክሬናውያን ዕላማ ይገብሩ ምህላዎም ድሕሪ ዝመጸ ሓበሬታ ሓይሊ ፖሊስ ሽወደን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ነቒሑ ይከታተል ምህላዉ ተገሊጹ። ሽወደንን ኖርወይን ነዚ ንምክልኻል ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን ኣብ ፖሊስ ኖርወይ ሓላፊት ክፍሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት መርመራ ገበን ክሪስትን ክቪን ን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ ኣመልኪታ። 

“ስደተኛታት ን ስራሕ ጒልበትን ምንዝርናን ተባሂሉ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ተቓሊዖም ኣለዉ ዝብል ሓበሬታ በጺሑና’ሎ” ክትብል ክሪስትን ክቪን  ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com