Saturday , May 18 2024

ጉግል

ጉግል፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ሕብረ-ሃገራዊ ትካል ቴክኖሎጂ እዩ። ቀንዲ ስራሕ’ዚ ትካል ምስ ኢንተርነት ዝተተሓሓዙ ነገራት ምድላውን ኣገልግሎት ምሃብን እዩ። ኩባንያ ጉግል፡ ብዝያዳ ብቐጥታዊ መወዓውዒታት፡ ቴክኖሎጂ፡ ሶፍትዌራትን ሃርድዌራትን ብምድላው ይፍለጥ።

ጉግል፡ ኣብ 1998 ብላሪ ፔጅን ሰርገይ ብሪንን ዝተባህሉ ሰባት’ዩ ተመሰሪቱ። እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ስታንድፎርድ ዩንቨርሲቲይ ተመሃሮ ፒኤችዲ ዲግሪ እንከለዉ’ዮም መስሪቶሞ። ላሪ ፔጅን ሰገርይ ብሪንን 14% እዚ ትካል ክውንኑ እንከለዉ፡ 56% ድማ ብ(ስቶክ ሆልደርስ)’ዩ ዝውነን። ጉግል፡ ኣብ 4 መስከረም 1998 ናብ ናይ ውልቂ ትካል ተሰጋገረ። ኣብ 19 ነሓሰ 2004፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈቱ ‘ካሊፎርኒያ’ ዝገዓዘ ጉግል፡ ንፈለማ እዋን ናብ ህዝቢ ዝቐርብ፡ “ጉግል ፕለክስ” ዝብል ስም ተዋህቦ።

ኣብ ነሓሰ 2015፡ ጉግል ነቲ ዝተፈላለየ ድሌታት ዘለዎ መደባቱ፡ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ መደባቱ ከምዘተዓራሪ ንህዝቢ ኣፍለጠ። ካብ ዝጠራነፍ ኣትሒዙ ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኣየ ጉግል፡ ብሓንሳዕ’ዩ ዝተፈላለዩ መደባት ኣቕሪቡ። ዝተፈላለዩ ነገራት ደሊኻ ኣብ ጉግል ኣቲኻ ምርካብ፡ ንስራሕ ዘድልዪ ነገራት ኣገልግሎት ምሃብ፡ ፍርያት ጉግል ከም ወረቃቕቲ፡ ኢሜይል፡ ምስራዕ ምትዕርራይ መደባት፡ ማሕበራዊ መራኸቢ መስመራት፡ ብጽሑፍን ብቪዲዮን መልእኽቲ ምስዳድ፡ ቋንቋ ምቕያር፡ ካርታ ሃገራት ምሕባር፡ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ኣገልግሎታትን የዳሉ። ካብዚ ቀጺሉ ጉግል ኣብ ሞባይል ኣንድሮይድ፡ ጉግል ክሮም ዌብ ብሮውሰር፡ ክሮም ኦስን ኣብ ሞባይል ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሶፍትዌራትንኣተኣታትዩ’ዩ።

 ጉግል ካብ 2010 ኣትሒዙ ክሳብ 2015 ዝተፈላለዩ ንብረት እዩ ኣፍሪዩ። እዚ ትካል ምስ ዝተፈላለየ ኤለክትሮኒካዊ ነገራት ዘፍርያ ትካላት ብምሕባር፡ ከም ሞባይልን መጉልሒ ድምጽን ኣብ ጥቅምቲ 2016 ኣቕሪቡ። ጉግል፡ ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ ተሰካሚ ኢንተርነት ክኸውን ክኢሉ’ዩ። ጉግል፡ ዩቱብን ብሎገርን ዝርከብዎ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝያዳ ተጠቀምቲ ዘለዉዎመስመራት ኢንተርነት ተባሂሉ ተጠቒሱ’ዩ።

እዚ ትካል ምስቶም ፍሉጣትን ክቡራትን ትካላት ዓለምና’ዩ ዝስራዕ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት፡ ምውጋድ ቀረጽ፡ ዘይእመን ሜማ ወይ ሰንሰር ኣብ ዝኣመሰሉ ክስታትን ኣገደስቲ ነቐፌታትን ይቐርቦ እዩ። ዕላማ ጉግል፡ “ኣብ ዓለም ዘሎ ሓበሬታታት ብምዕራይ፡ ንኹሉ ብማዕረ ንኽበጽሕን ጠቓሚ ክኸውንን” ዝብል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com