Friday , May 17 2024

ግዳያት መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ናብ ሓደ ሚልዮን ተጸጊዑ

ኣብ ሽወደን፡ ግዳያት መልከፍቲ ኮሮና ዝኾኑ ሰባት፡ ቁጽሮም 953,254 ምብጽሑን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ድማ ቀጻሊ ምህላዉን ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንደሽ ቲግነል፡ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ ሽወደን፡ 13986 ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን፡ ክታበት ዝተኸትቡ ሰባት፡ 3,019,266 ክኾኑ እንከለዉ እቶም  2,288,269 ሰባት፡ ሓንሳብ ክታበት ዝተኸቡ ኮይኖም እቶም 730,997 ሰባት ድማ ክልተ ግዜ ክታበት ዝወሰዱ እዮም። 27.9% ካብ ጠቕላላ ድምር ናይ መንእሰያት ሽወደን ሓንሳብ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com