Wednesday , May 15 2024

ጓል 22 ዓመት መንእሰይ ኩለን ሃገራት ዓለም ትበጽሐን

ሌክሲ ኣልፎርድ ኲለን ሃገራት ዓለም ከተባጽሕ እንከላ ጓል 21 ዓመት እያ ኔራ። ሕጂ ድሕሪ ዓመት “ሌክሲ ሊሚትለስ” ዝተባህለ ናይ ኦንላይን መድረኽ ብምፍጣር ብ ኢንስታግራም፥ ዩቱብን ናይ ባዕላ መርበብ ሓበሬታን ኣቢላ ክጐዓዙ ንዝደልዩ ሰባት ኣብ ምብርታዕ ትርከብ። ንመላእ ዓለም ዘባጽሐት ዝነኣሰት ሰብ ዝብል ክብረ ወሰን ዝሓዘት ሌክሲ ኣብ ካሊፎርኒያ እያ ተወሊዳ። ንሳ ንካሊፎርኒያ ብብዝሑነት ዝሃብተመት ሃገር ብምባል እያ ትገልጻ። ሕጂ ኣብታ ኣዝየ እትፈትዋን ጸሓይ ዘፍለያን ሎስ ኣንጀለስ ትቕመጥ ኣላ።

ሌክሲ ጒዕዞን መገሻን ካብ ቀደም ኣትሒዛ ትፈቱ ምንባራ እያ ትገልጽ። ኣዲኣ ጓል 19 ዓመት እንከላ ኣትሒዛ ናይ ጒዕዞ ወኪል ትውንን ምንባራን እዚ ድማ ብዛዕባ ጒዕዞ መንቋሕቋሕታ ንኽህልዋ ከም ዝሓገዛን ትዛረብ። ሓደ ሓደ እዋን ኣብ እዋን ትምህርቲ እውን ሒዛትኒ ናብ ካልእ ሃገር ትገይሽ ኔራ። እዚ ኣዝዩ ካብ ዘሐጒሰኒ ኣጋጣሚታት እዩ ኔሩ ብምባል ትዝክሮ።

በዚ ድማ 18 ዓመት ምስ መላእኩ ድሮ ናብ ልዕሊ 70 ሃገራት በጺሐ ኔረ። ጓል 12 ዓመት እናሃለኹ ጀሚረ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኲሉ ገዲፈ ሃገራት ክርኢ ባህጊ ኔሩኒ። ነዚ ክብል ድማ ሳንቲም ወዲ ሳንቲም ብትግሃት ምውህላል ኣይሓደግኩን። ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ምስ ዋህለልኩ ድማ ከም ሕልመይ ክጓዓዝ ጀሚረ።

ኣየኖት ሃገራይ ብፍሉይ ከም ዝመሰጣኣ ተሓቲታ እንክትምልስ– ኢንዶኔዥያ በቲ ዘለዋ ናይ ዳይቪንግ ቦታታት፥ ብባህርያዊ ጽባቐ ንቨነዝዌላ፥ ብጋሻ ምቕባል ን ፓኪስታን፥ ብጥንታዊ ታሪኽ ድማ ንግብጺ ከም ዝፈተወተን ድሕሪ ምሕባር ከም ኣይስላንድ ዝበለ ዘይውዳእ ጽባቐን ፍሉይነትን ዘለዋ ሃገር ግና ኣይገጠመትንን ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com