Friday , May 17 2024

ጠለብ ሕቶ ዜግነት ናይቶም ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ንኽሳለጥ ጻውዒት ቀሪቡ

ንመሰል ሃገር ኣልቦ ሰባት (statslös)  ዝጣበቕ ውድብ ከም ዝጠቐሶ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብፍላይ ድማ ቈልዑ እቲ ብሕጊ ከም ረቛሒ ዝቐርብ ሕቶ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከይተሓተቱ ዜግነት ክወሃቡ ጻውዒት ጌሩ’ሎ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።

ኣብ ሽወደን ዛጊት 30 ሽሕ ዝኾኑ ሃገር ኣልቦ ሰባት ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ሽወደን ሓንቲ ካብተን ንስምምዕ ምክልኻል ” ሃገር ኣልቦ” ሰባት ዝኸተማ ሃገራት እያ። UNHCR ንጉዳይ ሃገር ኣልቦ ሰባት ኣብ 2024 ምሉእ ፍታሕ ክገብረሉ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እውን ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጆሃንሰን ይሕብር።

“ናይዚ ኮሚሽን ዕላማታት ሕጋዊን ሰናይን እዩ” ክብል ድማ ወሲኺ ገሊጹ። እዚ ንኽሳለጥ ግና ኲለን ሃገራት ብሕጊ እዚ ስምምዕ ክቕየዳ  ከድለየን እዩ ኢሉ።

ሃገር ኣልቦ ሰባት ብመንጽር መጠን ብዝሒ ህዝቢ እንክረአ ኣዝዩ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ዛጊት ብዛዕባኡ እዂል ዘተን ዝርርብን ክግበር ኣይረአን ክትብል ሓላፊት ውድብ ምክልኻል ሃገር ኣልቦነት ሽወደን ጂና ኣልማሽሂዲ ትሕብር።

እዚ ውድብ ዛጊት ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ጒዳያት ኣተኲሩ ክዓዪ እዩ። ንሱ ድማ ቀዳማይ ኣብ ሽወደን እተወልደ ሃገር ኣልቦ ብህጹጽ ዜጋ ሽወደን ክኸውን እዩ። ካብ ሃገር ኣልቦ ወለዲ ዝውለድ ሰብ ከም ሃገር ኣልቦ እዩ ዝሕሰብ። እቲ ካልኣይ ዜግነት ንምርካብ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምርካብ ግድነታዊ ረቛሒ እዩ ዝብል እቲ ሕጊ።

እዚ ንምፍታሕ ኣብ ሽወደን ንገለ ዓመታኣ ብግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ዝጸንሐ ሰብ ብቐጥታ ዜግነት ክረክብ ከም ዝኽእል ምግባር እዩ። ናይ ዕቚባ ሕቶ ብግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ ክእለ ኣለዎ ዝብሉ ቊጽሮም እናበጽሐ ይመጽእ ምህላዉ ብምምልካት ሃገር ኣልቦ ሰባት እውን ጒዳዮም ካብዚ ክፍለ ኣይግባእን ክብክ ዋና ኣኽባር ሕጊ ሞርጋን ጆሃንሰን ገሊጹ’ሎ።

“ሓደ ሰብ ኣብ ሽወደን ክነብርን ክሰርሕን እንድሕሪ ደልዩ ቋንቋን ሕብረተሰብን ሽወደን ክፈልጥ ስለ ዘድልዮ ገለ ረቛሒታት ከማልእ ክሕተት እዩ ይብል ጆሃንሰን። እዚ ከም ዝመስለኒ  ምንሃገር ኣልቦ ሰባት እውን ዝምልከት እዩ ክብል ድማ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ሃገር ኣልቦ ቈልዑ ወለዶም ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም ኣብ ካልኣይ ዓመቶም ክወሃቦም ከም ዝኽእል እውን ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com