Saturday , May 18 2024

ጥቕምታት ጥረታት

ጥረታት ምምጋብ መወዳእታ ዘይርከቦ ጥዕናዊ ረብሓታት ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ጥረታት ትሑት ዓቐን ስብሒ፡ ምንጪ ፕሮቲን፡ ኣኻል ታርፍ ጽሕጎ፡ ቪታሚናትን ማዕድናትን ብብዝሒ ይርከቡ። ብመንጽር ዋጋ እንተመጺእና እውን ኣመና ሕሱራት’ዮም። ስለዚ ጥረታት ምስ ፍረታትን ኣሕምልትን ካብ’ቶም ንመዓልቲ 5 ግዜ ክብልዑ ዘለዎም መግብታት ይሰራዕ። ጥረታት ዝበሃሉ ባልደንጓ፡ ዓተር፡ ኣዳጉራ፡ ዓይኒ ዓተር፡ ብርስንን ፋጆሊን የጠቓልል።

ጥረታት ንምንታይ ንበልዕ? ጥረታት ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲን’ዮም። እዚ ነቶም ስጋ፡ ዓሳ ወይ ውጽኢት ጸባ ብምምጋብ ፕሮቲን ንዘይረኽቡ ሰባት ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። እንተዀነ፡ ጥረታት ጥዕና ዝህብ ምርጫ ናይ ስጋ ዝበልዑ ሰባት ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ንጥረታት ናብ መረቕ፡ ጸብሒን ስጎን ከነእትዎም ንኽእል። በዚ ኣገባብ ውሑድ ስጋ ብምእታው ትሑት ዓቐን ስብሒ ዘለዎ ጸብሒ ምድላው ይከኣል። ብተወሳኺ ምንጪ ብሉጽ ሚነራል ሓጺን፡ ሽኮር ዝበዝሖም መግቢ ስለዝዀኑ ትሕዝቶ ጽሕጎ ይውስኹ።

ልዑል ዓቐን ጽሕጎ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ምስ ምጕዳል ሕማማት ልቢን ካልኣይ ዓይነት ሽኮርያን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ሕብረተሰብና ክነቕሓሉ ዝግባእ ግን፡ ብታኒካ መልክዕ ክሽየጡ ልሙድ ተርእዮ’ዩ። ግን ዕሹግ ጥረታት ኣብ እንገዝኣሉ ሽኮር ወይ ጨው ዘይተወሰኾም እንተዀኑ ተመረጽቲ እዮም። ምኽንያቱ ሽኮርን ጨውን ንሕማማት ሽኮርን ጸቕጢደምን ኣጋደድቲ ምዃኖም ዝዝንጋዕ ኣይኰነን። ዝደረቐ ባልደንጓ ኣብ መዓናጡ ዘስዕብዎ ሳዕቤናት ፍሉጣት’ዮም። ምኽንያቱ ባልደንጓ ክሓቅቕ ዘይክእል ካርቦሃይድረይት ስለዘለዎ’ዩ።

 ደረቕ ባልደንጓ ከምኡ’ውን ዕሹግ ባልደንጓ፡ ቅድሚ ምብሳል ኣብ ማይ ኣሊኽካ ኣጽሪኻ ብምሕጻብ ነቶም ንምሕቃቕ ከበድቲ ዝዀኑ ካርቦሃይድረይት ከጉድለልና ይኽእል። ስለዚ ብመንፋሕቲ ተሸጊረ ኢልካ ካብ ጥረታት ምምጋብ ፍጹም ክትሕረም የብልካን። ሰባት ንገለ ገለ መግብታት ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ ይህቡ’ኳ እንተዀኑ፡ ምስ ግዜ ግን እቶም ምልክታት እናጐደሉ ክመጹ ይጅምሩ።

ስለዚ ጥረታት ብግቡእ ብማይ በሲሎም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይግባእ። ግን ከኣ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ጥቕሚ ወይ ምግብና ዘይውዕሉ እንተዀይኖም፡ ብቕልጡፍ ዝሒሎም ኣብ ፍርጅ ክኣትዉን ክዝሕሉን ይግባእ። ኣስተውዕል! ንጥረታት ልክዕ ከም ካልኦት ዝበሰሉ መግብታት ኣብ መንበሪ ክፍሊ (ካብ ፍርጅ ወጻኢ) ንልዕሊ 1 ወይ 2 ሰዓታት ክግደፍ የብሉን። ምኽንያቱ ተጓዳእቲ ባክተርያታት ንኽራብሑ ምቹእ ስለዝዀነ ሓደገኛ ሳዕቤናት ጥዕና ከኸትል ይኽእል። ስለዚ ዝበሰሉ ጥረታት ኣብ ፍርጅ እንተደኣ ተቐሚጦም ኣብ ውሽጢ 2 መዓልታት ክብልዑ ኣለዎም። ዝበረዱ ጥረታት ግን ብበረዶም ክሳዕ ዝሃለዉ ንነዊሕ እዋን ክኽዘኑ ውሑስ’ዩ። እንተዀነ ግን መግቢ ኣዝሒልካ ንነዊሕ እዋን ምቕማጥ ንመቐረትን ትሕዝቶን ክጸልዎ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ሓደ ዓይነት ጥረ ንኽንደይ ግዜ ኣብ ፍርጅ ክኽዘን ከምዘለዎ ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com