Friday , May 17 2024

ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ካብ ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ

ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ንሓደ ናይ ሓንጎል መልመስቲ ዘለዎ ዒራቓዊ መንእሰይ ንዓዱ ንኽመልሶ ብምምዳቡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ሱንድስቫል እትርከብ ሓላፊት ኮሚቴ ኣሃዱ ጥዕናን ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾነት ሊንድ ኣስብሎንድ፡ ጨንፈር ኢሚግሬሽን፡ ንገበነኛታት ንዓዶም ዘይመለሰት ንኸምዚኦም ዓቕሚ ዘይብሎም ሰባት ካብ ገዝኦም ኣባሪሩ ናብ ሃገሮም ክመልስ ምምዳቡ ዘሕዝን እዩ ኢላ ከምዝገለጸት ኣብ ሱንድስቫል እትሕተም ጋዜጣ ሓቢራ።

እዚ ኣሕመድ ዝተባህለ ዒራቓዊ መንእሰይ፡ ክንቀሳቐስ ዘይክእል ብዓረብያ ዝኸይድ ስለዝኾነ፡ ቀጻሊ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ እዩ። ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ነዚ ሰብ ንዓዱ ክመልሶ ምሕሳቡ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ክትብል ኣስብሎንድ ገሊጻ። ንሰባት ብርህራሀ ክንሕዝ ይግባኣና ክትብል ወሲኻ።

እቲ መምርሒ ናይ ጨንፈር ኢሚግሬሽን፡ ከምዚ ኣጋጢሙ ዘሎ፡ ሕልና ዘይብሉ፡ እንተድኣ ኮይኑ፡ ብመንገዲ ፓርላማ ለውጢ ክግበረሉ ይግባእ ክትብል ዘረባኣ ዛዚማ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com