Monday , May 20 2024
Foto Stefan Jerrevång / TT kod 60160

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ነቲ ኣብ ሽወደን ዘጋጠመ ጎነጽ ኮኒኑ።

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ሀንሪክ ቱን ነቲ ኣብ ሽወደን ዘጋጠመ ጎነጽ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዓሌታዊን ሃይማኖታዊን ምትፍናን ዘኸትል ተግባራት ከም ዝዂንን ኣፍሊጡ’ሎ።

መሰል ሃይማኖትን ሓሳብካ ምግላጽን ክኽበር ከም ዘለዎ እውን ኣትሪሩ ጸዊዑ’ሎ። ንብርክት ዝበላ መዓልታት ኣብ ሽወደን ብዝተኸታታሊ ዕግርግር ከም እተኸስተ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ዕግርግር ኣድመኛታት ንፖሊስ ምጥቅዖምን ከምኒ ፖለቲከኛ ዴንማርክ ራሙስ ፓሉዳን ዝበሉ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ቁርኣን ምቅጻሎምን እዩ ዝግለጽ።

“እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት ሽወደን ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ሲቪላውያንን ዝግበር ዘሎ ጎነጽ ክዂነን ዝግብኦ እዩ” ክብል ቱል ን NTB ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ ገሊጹ’ሎ። “መሰል ሓሳብካ ምግላጽ መሰረታዊ መሰልን ኣምነ ኲርናዕ ዴሞክራሲን እዩ። መሰል እምነት እውን ቅዋማዊ መሰረት ኣለዎ፡፡ ብዛዕና ሃይማኖትን ኣምነትን ሃናጺ ዝርርብ ክዉን ዝገብር ከኣ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ እዩ፡፡ ብዘይዚ መሰል ብዛዕባ እምነትካን ናይ ህይወት ኣመለካኽታኻን ሓሳብካ ከተንጸባርቕ ዝከኣል ኣይኮነን” ክብል ቱል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com