Friday , May 17 2024

ጸብጻብ መንግስታዊ መርማሪ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ምስዋር ጽልእን፡ ስግኣት ሽወደን ይኾኑ ምህላዎም ተሓቢሩ

መንግስታዊ መርማሪ፡ ካርል ሄዝ፡ ኣብ ዝበሎ፡ ብመንገዲ ኢንተርኔት ዝዝርጋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ምስዋር ጽልኢን፡ ንዴሞክራሲ ሽወደን ብኣሉታ ይጸልዎ ምህላዉ ብምምልካት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሽወደን፡ ሃገራዊ ሓድነት ዘድልየላ እዋን እዩ።

ንሱ ንሚኒስተር ባህሊ፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብቐጥታ ንዴሞክራሲና ብምጽላው ኣብ ግርጭት ከእትወና ዝኽእል ሓደገኛ ተርእዮ እዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ከምዚ ዝበለ ወፍሪ ኣብ ሕብረተሰብ ምትፍናን ዝፈጥር ስለዝኾነ ከይሳዕረረ ስጉምቲ ክንወስድ ይግባኣና ክብል ምሕጽንትኡ ምቕራቡ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ሽወደን ሓያል ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዋ ሃገር ምዃናን ካብ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ብዙሕ መኽሰባት ከም ዝማእረረትን እኳ እንተገለጸ ኣብ ቀረባ እዋን እናጠጥዐ ዝመጸ ምዝራው ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንዲሞክራስያዊ ተጻዋርነት ብቐጥታ ዝጻረር ተርእዮ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እቲ ዝያዳ ዘሻቕል ድማ በዚ ገበን ናብ መጋባእያ ዝቐርቡ ዛጊት ዝወሓዱ ምዃኖምን ነቲ ገበን ዝምጥን ሕጋዊ ንጥፈት ዘይምህላዉን እዩ ኢሉ።

ሚኒስተር ባህሊ ብወገና፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ውጽኢት መርመራ እዩ ክትብል ድሕሪ ምእማን፡ ዴሞክራሲ ማለት ኣብ ኣረርባዕተ ዓመት ምምራጽ ጥራይ ማለት ኣይኮነን፡ የግዳስ ምፍርራህን ምዝንጣልን ዘይብሉ ሰፊሕ ናይ ዘተ መድረኻት ምኽፋትን ሓሳባትካ ብዘይ ስክፍታ ምግላጽን ቀንዲ መግለጺኡ ምዃኑ እዩ  ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com