Sunday , May 19 2024

ጽባሕ መዓልቲ ምስጋና እዩ ንሙኻኑ ናይ ምስጋና መዓልቲ thanksgiving day መዓስን ስለምንታይን ይኽበር?

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ምስጋና መዓልቲ thanksgiving day ከም ዓቢ በዓልዩ ዝበዓል። መበቆሉ ድማ ካብ ምብዓል ቀውዒዩ (celebration of the annual harvest)።ይኩንዳምበር መብዛሕቶም ደቀባት ኢንዲያንስ ነታ መዓልቲ ከም ናይ ሓዘን መዓልቲ ይሰምይዋ ምክንያቱ ምክባር እታ በ ዓል ምስ ምግባት መሬቶምን ምሽርሻር ባህሎምን ሰለዘተሓሕዝዎ። እዛ በዓል ኣብ ራብዓይ ሓሙስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ትክብር። ንመጀመርታ ጊዜ ክትበዓል ዝወሰነ ድማ ፕረሲደንት ኣብራሃም ሊንኮንዩ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ካናዳ፡ ግራናዳ፡ ፊሊፕን፡ ስይንት ሉሲያ፡ ሊበሪያን ኣብ ሆላንድን ድማ እዚ በዓል ይበዓል።

ድሕሪ እዛ መዓልቲ ደላ ዓርቢ ድማ ብተለምዶ ከም ጸላም ዓርቢ black friday ትስመ። ታሪካዊ ኣመጻጺኣ ናይዛ መዓልቲ ሽም ድማ ድሕሪ ሓደ ጋዜጣ ኣብ 1951 ዘስፈሮ ጽሑፍዩ “መብዛሕቶም ሰራሕተኛታት ናይ ሕማም ዕረፍቲ ይወስዱ ምክንያዩ ን ትርከታታሊ 4 መዓልቲ ንምዕራፍ” ዝብልዩ። ብ ተወሳኪ እዉን እዛ መዓልቲ ወግዕዊ ሽመተ ናይ ልደት ህያብ ዝጅመረላያ። ኣሜሪካዊያን ደርሆ ቱርከይ ብምምጋብ ድማ ነዛ መዓልቲ የክብርዋ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋሽሂንግቶን ድማ ድሕሪ 1989 ናይ ፓርዶን ጽንብል ይካየድ። ኣብዛ መዕልቲ ድማ ን ሃገረ መራሒ እታ ሃገር ናይ ደርሆ ቱርኪ ይብርከተሉ። ኣብዛ መዓልቲ ኣሜሪካዊያን ልዕሊ 50 ሚልዮን ደራሁ ተርኪ የህልቁ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com