Saturday , May 18 2024

ፈረንሳ፥ ወረ ትዃን ብሩስያ ተላቢዑ ክኸውን ይኽእል እዩ

Photo via AP) XAZ162

ሩስያ ኣብ ፈረንሳ ብዛዕባ ትዃን ዓራት ህዝባዊ ሻቖላ ኣብ ምልዕዓል ተሳቲፋ ክትከውን ከምእትኽእል ኣገልግሎት ስለያ ፈረንሳ ገሊጹ። ሩስያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ናይ ሓሶት ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ኣላ ክብል እቲ ኣገልግሎት ክኸስስ ጸኒሑ’ሎ። እቲ ዝገልግሎ ስለያ ብዛዕባ ቱኻን ፍርናሽ ዝተላዕለ ስንባደ ኣብ ምጒህሃር ተሳቲፋ ክትከውን ትኽእል እያ ኢሉ ከም ዝኣምን ምንጭታት ስለያ ፈረንሳ ንመደበር ሬድዮ RMC ኣመልኪቶም። ትዃን ዓራት ንሰሙናት ኣብ ፈረንሳን ኣህጉራውያን ማዕከናትን ኣርእስቲ ዜና ኮይኑ ጸኒሑ። ድሮኳ ተሳተፍቲ ሰሙን ፋሽን ፓሪስ፥ ናብ ለንደንን ኒውዮርክን ኣብ ዘቕንዑሉ ዘለዉ እዋን፡ ዓለምለኻዊ ለበዳ ክለዓል ከምዝኽእል ዝዋዘ ሚም ዘርጊሖም ኣለዉ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣልጀርያ ከይተረፈት ፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ሃገራ ብነፈርትን መራኽብን ክመጻ ዝኽእል ወራር ትዃን ንምክልኻል ኣድላዪ ስጉምትታት ከተተኣታቱ ምዃና ኣፍሊጣ ነይራ። ምስ ትዃን ዝተኣሳሰር ሻቕላ እኳ እንተሃለወ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ፈረንሳ፡ ጸብጻባት ትዃን ወሰኽ ከምዘርኣየ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኣየ እዩ ዝገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መንግስቲ ፈረንሳ ብዛዕባ ትዃን ዓራት ኣብ መንጎ ሚኒስትሪታት ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ኣመልኪቶም ፖለቲከኛታት ምላሽ ክወሃብ ጸዊዖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com