Thursday , May 16 2024

ፈይስቡክ ሓድሽ ኣገባብ ከተኣታቱ እዩ።

ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ላይክ ምባል እቲ ቐንዲ ናይቲ ኩባንያ መለለዪ እዩ ኰይኑ ጸኒሑ። እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ንዝበዛሕና ስእሊታትና ክሳብ ክንደይ ጽቡቓት እዮም፡ ወይ ዝጸሓፍናዮም ዳእላታት ክሳብ ክንዲ ምንታይ ኣስሓቕቲ . . .ወዘተ ብእኡ እናመዘንና ምኻድ ካብ እንጅምር ውሑድ ኣይገበርናን። ኩባንያ ፈይስቡክ ብወገኑ፡ ስሙ ምስዛ ላይክ ኣመና ብምትሕሓዙ ኣብ ኣፍደገ ማእከል ምምሕዳር’ቲ ትካል ከይተረፈ ከም ኣርማ ኰይና ከም እትስቀል ገይሩ እዩ።

ሕጂ ድማ እቲ ትካል ነዛ ቀንዲ መለለዪቱ ዝዀነት ኣርማኡ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ተጠቃምነታ ኣዝያ ኣጨናቒት ካብ ምዃን ምእንቲ ተጠቀምቲ ክገላገሉ፣ ፈይስቡክ ንኣጠቓቕማኣ ብመጠኑ ምምሕያሻት ክገብረላ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ትካል ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ ኣብ ኣውስትራልያ ንፈተነ ብምባል እቲ ፈይስቡክ ሓድሽ ኣገባብ ከተኣታቱ እዩ ንሰባት ክረኣዮም ዝጸንሐ ብዝሒ ላይክ፡ ሪኣክሽንን ክንደይ ሰባት ንፖስት ዝገበርካዮ ከም ዝረኣዩዎን ዝሕብር ክሓብኦ ወይ ከም ዘይርአይ ክገብሮ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በዚ ኸኣ ነቲ ፖስት ክንደይ ሰባት ከም ዝረኣዩዎን ላይክ ከም ዝገበሩዎን እቲ ዋና ናይቲ ፖስት ጥራይ ክርእዮ ክኽእል እዩ ማለት እዩ። እቲ ኩባንያ ወሲኹ፡ እቲ ፈተነታት ተጠቀምቲ ከመይ ከም ዝቕበሉዎ ብምርኣይ እንታይ ዝዓይነቱ ለውጢታት ከተኣታቱ ከም ዘለዎ ዝእንፍተሉ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ እውን፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ኩባንያ ፈይስቡክ ዝመሓደር ማሕበራዊ መድያ ኢንስታግራም ተመሳሳሊ ኣገባባት ንፈተነ ከም ዘቕርብ ሓቢሩ ምንባሩ ይርሳዕን። ብዙሓት ተንተንቲ ከም ዝገልጹዎ እቲ ብፈይስቡክ ዝተኣታቶ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ነቲ ትካል ካብዚ ዘለዎ ኣብ ምዕባይ ዝህልዎ ተራ ዓቢ ምዃኑ ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com