Monday , May 20 2024
Foto: Anders Wiklund / TT / kod 10040

ፊንላንድን ሽወደንን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ናብ ኔቶ ክጽንበራ እየን።

ሽወደንን ፊንላንድን፡ ብሓባር ጽባሕ ረቡዕ ናይ ኔቶ ኣባልነት ሕቶአን ናብ ብራስለስ ከእትዋ እየን። .ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስቶ፡ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲኣተን ሃገራት ታሪኻዊን ናይ ምትሕግጋዝን ርክባት ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ስጒምቲ ብሓብር ክወስዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም እተራእዮም ገሊጾም ኣለዉ። “ኣብ መላእ እዚ መስርሕ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንምርሽ ተሰማሚዕና ኣሎና” ክትብል ቀ/ሚ ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ’ላ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com