Friday , May 17 2024

ፊንላንድ፡ ሽዱሽተ ሕጹያት ፕረዚደንት እንግሊዝኛ እናጎልሐ ምምጽኡ ይቃወሙ።

ሽዱሽተ ሕጹያት ፕረዚደንት ፊንላንድ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ፊንላንድ ርኡይ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ቀጻሊ ዝንባለ እንግሊዝኛ ብሙሉእ ድምጺ ተቓውሞኦም ምስምዖም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ Oma kieli ry ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቶም ሕጹያት ሚካ ኣልቶላ፡ ሳሪ ኤሳያ፡ ፔካ ሃቪስቶ፡ ጁሲ ሃላ-ኣሆ፡ ሃሪ ሃርኪሞን ኦሊ ረንን፡ ብዛዕባ ተራ እንግሊዝኛ ኣብ ሕብረተሰብ ፊንላንድ፡ ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ መንግስታውን ውልቃውን ኣገልግሎታት ንዝቐረበሎም ተኸታተልቲ ሕቶታት መልሲ ሂቦም ኣለዉ። ኣብዚ መጽናዕቲ ሊ ኣንደርሰን ኣሌክሳንደር ስቱብን ጁታ ኡርፒላይነንን ኣይተሳተፉን። እዚ ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ሃገራዊ ባሮሜተር ቋንቋ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ኩሎም ቀወምቲ ነበርቲ ፊንላንድ ቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ክዛረቡ ክግደዱ ኣለዎምዶ? ከምኡ’ውን ፊንላንድ ብእንግሊዝኛ ናብ ዝስርሓላ ሃገር እንተማዕበለት ከመይ ይረአ ዝብሉ ሕቶታት ናይቶም ሕጹያት ኣቕሪቡ ኔሩ። ኩሎም መለስቲ፡ ቐወምቲ ነበርቲ ቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደንኛ ክመልኩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ እንግሊዝኛ ዝዓብለላ ፊንላንድ ክትህሉ ንዝብል ሓሳብ ብትሪ ተቓዊሞሞ ኣለዉ። ኣብዚ ዘተ እቲ ወሳኒ ነጥቢ፡ ተራ እንግሊዝኛ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ካብቶም ሽዱሽተ ሕጹያት እቶም ሓሙሽተ እንግሊዝኛ ከም መሳርሒ ትምህርቲ ብሰፊሑ እንተውዒሉ ፡ ጽሬት ትምህርቲ ፊንላንድ ክጎድል ከምዝኽእል ስክፍታኦም ክገልጹ እንከለዉ፥ ሃሪ ሃርኪሞ ኣብዚ ፍሉይ ጉዳይ መርገጺ ኣይወሰደን። እቶም ሕጹያት ኣብ ውልቃዊ ኣገልግሎታት ን ኣጠቓቕማ እንግሊዝኛ ብዝምልከት እውን ተፈላልዮም እዮም። እቲ ኩሉ ሰብ ብእንግሊዝኛ ዝዛረብ ወይ ክረዳዳእ ስለዘይደሊ፡ ኣብ ፊንላንድ ንዝርከቡ ተጠቀምቲ ብእንግሊዝኛ ጥራይ ምግልጋል ኣድልዎዩ ዝብል ሕቶ መጽናዕቲ፡ ካብ ኣልቶላ፡ ኤሳያህን ሃላ-ኣሆን ናይ ስምምዕ ድምጺ ረኺቡ’ሎ። ብኣንጻሩ ሃርኪሞ ሰብ ሃብቲ ቋንቋ ኣገልግሎቶም ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብምጒላሕ ምስዚ ኣይተሰማምዐን፡፡ ገለ ሕጹያት ብቋንቋ እንግሊዝ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምቕራብ ንውህደት ክዕንቅፍን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ክኸውንን ከምዝኽእል ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ንገለ ኣገልግሎታት፡ ከም ምትካል ንግዲ፡ ብእንግሊዝኛ ምምችቻው ጽቡቕ ምዃኑ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ። ሕጹያት ፕረዚደንት ዝሃብዎ መልስታት ምስቲ 82% ፊንላንዳውያን ኣብ ሃገራዊ ቋንቋ ባሮሜተር ዝገለጽዎ ስምዒት ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ እንግሊዝኛ ጥራይ ዝጥቀሙ ኣገልግሎታት ብሕቲ ኣድልዎ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ እዮም ዝቖጽርዎ። 56% ዝኾኑ ድማ ብእንግሊዝኛ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ምሃብ ንውህደት ከዝሕሎን ወጻኢታት ክውስኽን ከምዝኽእል እዮም ዝኣምኑ። መልሲ እቶም ሕጹያት፡ ኣብ ሃገራዊ ቋንቋታት ፊንላንድ ሓያልን መትከላውን ደገፍ ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ። ይኹንምበር፡ ኣብ ገለ ጉዳያት ዝሃብዎ ዝተፈላለየ መልስታት፡ ትምህርቲ መንግስታውን ውልቃውን ኣገልግሎታት ክሳብ ክንደይ ብእንግሊዝኛ ክቐርብ ከም ዘለዎ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዘጉልሕ እዩ። ገሊኦም እናደንፍዐ ዝኸይድ እንግሊዝኛ ንውህደትን ትምህርቲ ቋንቋን ዝጎድእ ጌሮም ክርእዩ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ነቲ ተኣፋፊ ኣድላይነት ሓይሊ ሽቕለት ኣብ ምፍታሕ እንግሊዝኛ ወሳኒ ምዃኑ ይምጉቱ ብመሰረት “ሄልሲንኪ ታይምስ”።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com