Saturday , May 18 2024

ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ

ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ ሓደ ካብ ዓይነታት ፍርሂ ወዲ ሰብ ኢዩ። እዚ ዓይነት ፍርሂ ኣብ ቃልዕ ቦታ ዘጋጥም ፍርሂ ኰይኑ ዝተወሳሰበ ኣሉታዊ ኵነት ኣእምሮ ዝፈጥር ክስተት ኢዩ። ካብቲ ኣብ ቃልዕ ቦታ ዘጋጥም ፍርሂ ዓይነት ሰብ –

. ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ

 . ንጋሻ ሰብ ሰላም ኣብ እትብለ

. ኣብ ዕዳጋ

 ሓደ ሰብ ብሕማም ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ ኣብ ኣዝዩ ወጣሪ ኵነት እንተኣትዩ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ዝስዕብ ምልክታት ኣብ ነብሱ የርኢ።

1) ቅልጡፍ ህርመት ልቢ

 2) ዘይንቡር ቅልጡፍ እስትንፋስ

 3) ስምዒት ምቘት ወይ ረሃጽ ሰብነት

 4) ጽልኣት

 ብሕማም ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ ዝሳቐዩ ሰባት ካብ ገዛኦም ናብ ግዳም ኣብ ዝወጽሉ ምስ ሰባት ክዀኑ ይደልዩ፡ ናብ ዕዳጋ ንሸመተ ኣስቤዛ እንተዀነ ኣብ ክንዲ ባዕላቶም ዝገብሩ ብሰብ ከልእኹ ይደልዩ። ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎም ሰባት ድማ ንነብሶም እገዳ ስለዝእውጁላ ሕማም እገዳ እናተባሃለ’ውን ይጽዋዕ ኢዩ።

ጠንቅታት
መበገሲ ሕማም ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ራዕዲ፡ ስንባደ፡ ፍርሃትን ሸቐልቀልን ዝብገስ ሕማም ኰይኑ፡ ኣብ ቃልዕ ቦታ ወይ እቲ ግዳይ ኣብቲ ዓይኒ ሰብ ዘይክእለሉ መድረኽ ምስ በጽሐ ከወግዶም ኣብ ዝፍትነሉ ይኽሰት። እንተዀነ ውሑዳት ሰባት ታሪኽ ራዕዲ ወይ ስምባደ የብሎም። ግን ፍርሆም ምስ ገበን፡ ግብረ ሽበራ፡ ሕማም ወይ ሓደጋ የተኣሳስርዎ እሞ ብመጥቃዕቲ ፍርሂ ዓይኒ ሰብ ይሳቐዩ። ስቓይ ዘለዎ መጉዳእቲን ራስያ (ንንብረት ወይ ገንዘብ) ኣብ ሕማም ፍርሂ ዓይኒ ሰብ ናታቶም ኣሉታዊ እጃም ከምዘለዎም ናይ ስነ ኣእምሮ ክኢላታት ይሕብሩ። ብጀካ’ዚ ኣብ ገለ ገለ ሰባት ብተወርሶ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከም ዝመሓላለፍ እቶም ክኢላታት ይውስኹ።
ምኽርን ፍወሳን
ዝዀነ ብሕማም ፍርሂ ዓይኒ ሰብ ዝሳቐ ሰብ ኵነታቱ ምስ ግዜ ምምሕያሽ እንተዘይክኢሉ፡ ናብ ዝምልከቶ በዓል ሞያ ቀሪቡ ምኽርን ፍወሳን ክረክብ ከምዝኽእል ይመዓዱ። ቅድሚ ናብ ሓኪም ወይ በዓል ሞያ ምኻዶም ግን እዚ ዝስዕብ ደረጃታት ክኽተሉ ይምከሩ።
1. ንገዛእ ነብስኻ ብዛዕባ ሽግርካ መሃራ። ለውጢ ኣብ ናብራኻ ኣተኣታቱ። ኣብ ነብስኻ ዘለዉ ምልክታት ባዕልኻ ክተወግዶም ምእንታን ስሩዕ ኣካላዊምንቅስቓስ፡ ዝተመጣጠኑ መግብታት፡ መስተ፡ ሽጋራ፡ ከም ኮካ፡ ሻሂን ቡንን ኣወግድ። ራዕዲ ክሰመዓካ ከሎ ቀስ ኢልካ ዓሚቚ እስትንፋስ ምዝውታር።

2. ንገዛእ ነብስኻ ባዕልኻ ኣብ ዝሰራዕካዮ መደብ መዝግባ።

3. ተገንዝቦኣዊ ናይ ባህሪ ለውጢ ምትእታታው።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ደረጃታት እንተዘይሰሪሑ ናብ ክኢላ ሓኪም ስነኣእምሮ ወይ ስነ-ልቦና ምኻድ የድሊ። ወለዲ እንተዀኑ ውሉዳቶም ገና ብንኣሽትኦም ሕማም ዓይኒ ሰብ ዘርእዩ እንተዀይኖም ካብቲ ተርእዮ ብኣጋኡ ክወጹ ናብ ቃልዕ ቦታታትን እኩብ ህዝቢን እናወሰዱ ከላምድዎ ይግባእ። ሕማም ፍርሂ ዓይኒ ሰብ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ኣብ ደቂንስትዮ ከም ዝረአ ይፍለጥ።
ምንጪ:  internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com