Saturday , May 18 2024

ፍሽለት.. ዓወት!

“ፍሽለት ኣገዳሲ ኣይኰነን። ገዛእርእስኻ ምትላል ትብዓት ይሓትት።” ቻርሊ ቻፕሊን

ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝወደቕና ከም ዘለና ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ፍሽለት / ውድቀት/ ሓደ ክፋል ናይ ህይወትና ስለ ዝዀነ። ኣብ ጉዕዞ ሂወትና፡ ፍሽለት ከም ዘጋጥመና ከይዘንጋዕና፡ ብኸመይ ኣብ ረብሓና ከም እነውዕሎ ዝያዳ ክንመራመር ከም ዘለና ምሁራት ስነ-ልቦና ኣጥቢቖም እዮም ዝመኽሩ። ብዛዕባ ውድቀት/ፍሽለት ብዙሕ ዛንታ እዩ ዘሎ። ብዛዕባ ገለ ዕዉታት ሰባትን ዝሰገሩዎ ፍሽለትን እስከ ንርአ።

1.ኣብርሃም ሊንከን

ኣብርሃም ሊንከን ኣብ 1809 ዝተወልደን መበል 16 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ክኸውን ዝበቕዐን እዩ። ንሱ ኣብ’ቲ እዋን ንዝነበረ ኣተሓሕዛ ኣፍሪቃውያን (ጸለምቲ) ገላዩ ብምቅዋም፡ ጸለምቲ ማዕረ ጸዓዱ ከም ዝዀኑን ውልቃዊ ናጽነት ክህልዎም ከም ዝግባእን ዝተማጎተ መራሒ እዩ። ቅድሚ ናብ’ቲ ደረጃ ምብጽሑ ግን ብዙሕ እዋን እዩ ወዲቑ።

ኣብ 1832፡ ሊንከን ወዲ 23 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ስርሑ ተባሪሩ። ከም ሓጋጊ ኣካል መንግስቲ (State Legislature) ንክኸውን ኣብ ዝተሳተፎ ምርጫ እውን ተሳዒሩ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ወዲ 26 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ፡ ብልቢ ዘፍቅራ ኣን ሩትለጅ እተባህለት ኣፍቃሪቱ ብሞት ተፈልያቶ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ሞት ኣፍቃሪቱ፡ ኣብ ምርጫ ን‘ስፒከር ኢን ዘ ኤሊኖይስ ሃውስ ኦፍ ረፕረዘንታቲቭስ’ እንደገና ተሳዒሩ።

ኣብ 1846፡ ወዲ 39 ዓመት ምስ ኰነ፡ ከም እንደገና ኣብ ምርጫ ንኦፊስ ጀነራል ኮሚሽነር መሬት፡ ኣብ ዲ.ሲ ተወዳዲሩ ኣይሰለጦን። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት እውን ኣባል ሰነት ካብ ምዃን ተዓንቂጹ ነይሩ እዩ። ሊንከን ሳላ ተስፋ ዘይቆረጸ ግን ኣብ 1861፡ ከም መበል 16 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ንኸገልግል ተመሪጹ።1

2.ክሪስ ጋርድነር

ዝያዳ በታ ንታሪኽ ህይወቱ እትገልጽ ‘ፐርሱት ኦፍ ሃፒነስ’ (Persuit of Happiness) እትብል ህብብቲ መጽሓፍ እዩ ዝልለ። እታ ንዘሕለፎ ከቢድን መሪርን ማሕለኻታትን ወድቀትን እትገልጽ መጽሓፍ፡ ኣብ 2006 ናብ ፊልም ተራዒማ፡ ምስ ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ህቡብ ተዋሳይ ሆሊዉድ ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ሲነማታት ክትርአይ በቒዓ።1

ኣብ 1954 ዝተወልደ ክሪስ፡ ብዘይ ኣቦ ክዓቢን ኣደኡን ኣሕዋቱን ድማ ካብ ሰብኣይ ኣደኦም ግፍዒ ክወርዶም ጀመረ። ብድሕሪ’ዚ ንሱ ኣብ መዕበዪ ዘኽታማት ክዓቢ ተገደደ። ኣብ 1977፡ ክሪስ ንጎርዞ ሼሪ ዳይሰን ተመርዓወ። ግን ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ሓዳር ምስ ጸንሑ ክሪስ ካልእ ሰበይቲ ብምውሻሙን ብምጥናሳን፡ ምስ በዓልቲ-ቤቱ ተፈላለየ። ወዲ ድማ ተበኮረ። ክሪስቶፈር ጋርድነር ጁንየር ኢሉ ዝሰመዮ ወዱ ክውለድ እንከሎ፡ ኣብ ‘ዩሲኤስኤፍ’ ዝተባህለ ትካል ከም ተሓጋጋዚ ቤተ-ምርምር ኰይኑ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። እቶቱ ግን ንሓዳስ በዓልቲ-ቤቱን ወዱን ክጥውር ዘኽእሎ ኣይነበረን። ከም ሽቃጢ ሕክምናዊ መሳርሒ ኰይኑ ድማ ክሰርሕ ጀመረ። በዚ እውን ክዕወት ኣይከኣለን። ኣብ ርእሲኡ ድማ በዓልቲ-ቤቱ ወዱ ገዲፋትሉ ተዓዝረት። ኣዝዩ ተዋጢሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ድማ ምስ ሓደ ቀያሕ ፌራሪ ዝዓይነታ ክብርቲ ተሽከርካሪት ዝሓዘ ሰብኣይ ዝተላለየ።

ክሪስ፡ በቲ ናይ’ቲ ሰብኣይ ምትብባዕ ተሓጊዙ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ትካል ከም ነጋዳይ ኣክስዮን (stockbroker) ኰይኑ ንክቑጸር ፈተና ገበረ። ሰለጦ ድማ። ግን፡ ፖሊሲ ናይ’ቲ ትካል ካብ’ቲ ክሪስ ዝተጸበዮ ፍልይ ዝበለ ኰይኑ ጸንሖ። ምኽንያቱ፡ ዝዀነ ነጋዳይ ኣክስዮን ኣብ’ቲ ትካል ክቑጸር እንተ ዀይኑ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዘይክፍሊት እናሰርሐ ብቕዓቱ ከረጋግጽ ነይሩዎ። እዚ ንክሪስ ዘሰንብድ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ዘይተኸፍለ ናይ ነዊሕ እዋን ገዛ ክራይ ስለ ዝነበሮ፡ ናይ መጠንቀቕታ ወረቐት ተዋሂቡዎ ነይሩ። ንሱ ግን ንዝረኸቦ ዕድል ስራሕ ክኸስሮ ኣይደለየን። ነተን ሽዱሽተ ወርሒ ድማ፡ ምስ ወዱ ኣብ ጎደናታት እናደቀሰ ብናብራ ግዳምሓደር ኣሕለፈን። ኣብ መወዳእታ ከኣ ዕዉት ነጋዳይ ኣክስዮን ኰይኑ፡ ወናኒ ሚልዮናት ዶላር ክኸውን በቒዑ።

3. ዶ/ር ሲውስ

ምሉእ ስሙ ቲዮዶር ሲውስ ጊዘል ይበሃል። ኣብ 1904 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተወሊዱ። ዶ/ር ሲውስ እትብል ጥብቆ፡ ኣብ 1927 ኣብ ‘ዳርትማውዝ ኤንድ ሊንከን ኮለጅ’ ብዓውዲ ስነ-ጽሑፍ እንግሊዘኛ ናይ ፒኤችዲ (PhD) ትምህርቱ እናተኸታተለ እንከሎ ዝለገበቶ እያ። ዶ/ር ሲውስ፡ ነቲ ዝጀመሮ ምህሮ ኣይዛዘሞን። ብርእይቶ ናይ ሓንቲ ሄለን ፓልም እተባህለት ኣብ’ቲ ኮለጅ ዝተላለያ ጎርዞ ተደፋፊኡ ስእልታት ክቐብእ ጀመረ።

ኣብ 1928፡ ምስ ሄለን ተመርዓወ። ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ከም ሰኣሊ ናይ መወዓውዒ ጽሑፋት ብምዃን ንብዙሕ ዓመታት ሰርሐ። ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት፡ ኣብ 1937 ድማ ዶ/ር ሲውስ ‘ኤንድ ቱ ቲንክ ኣይ ሰው ኢት ኦን ማልቤሪ ስትሪት’ እትብል ቀዳመይቲ መጽሓፉ ደረሰ። እዛ መጽሓፍ፡ ቅድሚ ብ ‘ቫንጋርድ ፕረስ’ ምሕታማ፡ ብ28 ኣሕተምቲ ትካላት እያ ተነጺጋ። መጽሓፉ ምስ ተሓትመት፡ ኣብ’ቲ እዋን ፕረዚደንት ትካል ሕትመት ዝነበረ፡ “ናይ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ሓቲመ እየ። ካብ ኩላቶም እቲ ዝበልሐን ዝበለጸን ግን ዶ/ር ሲውስ ጥራይ እዩ፡” ክብል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ገሊጽዎ ምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

 ዶ/ር ሲውስ፡ ክሳብ ኣብ 1991 ብሞት ዝፍለይ 600 ሚልዮን ቅዳሓት ክሸይጥ እንከሎ፡ ዝበዝሓ መጻሕፍቱ ድማ ናብ ልዕሊ 20 ቋንቋታት ክትርጎማ በቒዐን። በዚ ድማ ሓደ ካብ’ቶም ዝበለጹ ጸሓፍቲ ዓለምና ክኸውን በቒዑ።1

ምንጪ:  internet


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com