Friday , May 17 2024

ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን፡ ክትባት ኮቪድ-19 ይወስድ

ዜጋታት ደቡብ ሱዳን፡ ንኽኽተቡ ንምትብባዕ ብምባል፡ ፕረሲደንት ሳልቫ ኬር ጸረ ኮሮና ክትባት ከም ዝወሰደ ተገሊጹ።

ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ዓመት እያ ክትባት ጀሚራ። ሓካይምን ልዕሊ 65 ዝዕድሜኦም ሰባትን ቀዳምነት ከም እተዋህቦም ድማ ተሓቢሩ። ደቡብ ሱዳን ዛጊት 132 ሽሕ ዶዝ ክትባት ጸረ ኮሮና ከም ዘእተወት ዝፍለጥ ኮይና፡ ሳልቫ ኬር፡ እናተክርትበ ዘርኢ ስእልታት ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ምህላዉ የመልኪቱ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ከም እተለበዱን 113 ድማ ምሟቶምን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com